ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም።
 
ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣባላት ካቢኔን ምስ ኣብ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኤሪቭን ጆዜ ማሲንጋን ሎሚ 13 ለካቲት 2016 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተራኺቦም ኣብ ዓለም ለኻዊ፣ ዞባዊ፣ ሃገራዊን ክልላውን ፀጥታን ሰብኣዊ ጉዳያትን ዘትዮም ፡፡
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ተረኺቦም ኣቀባብላ ዝገበሩሎም እንትኾን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ምስተራኸቡ ድማ ንመንግስትን ህዝብን ኣሜሪካ ዘለዎም ክብሪ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ ክሕሎን ዝወሰድዎ ተበግሶን ዝተፃወትዎ ግደን ኣመስጊኖም ፡፡
 
ፕረዚደንት ጌታቸውን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ካብ ወረርቲ ነፃ ምግባርን ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ምምላስን ፣ ኣፈፃፅማ ምስንባትን እግሪ ምትካልን ተመለስቲ ሰራዊት ፣ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሓደጋ ጥምየትን ዝኸውን ሓገዝ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ምትሕብባርን ብሓፈሻ ዛጊድ ኣብዘይተፈፀሙ ተግባራት እማመ ሰላም ፕሪቶሪያ ስፍሕ ዝበለ ምይይጥ ከምዘካየዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።
ኣብ መወዳእታ ነቲ መብርሂ ዝተኸታተሉ ኣብ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኤሪቭን ጆዜ ማሲንጋን ንዝተገበረሎም ኣቀባብላን ንዝተወሃቦም ዝርዝር መብርህን ብምምስጋን መንግስትን ህዝብን ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን እግሪ ንምትካልን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መንግስቶም ኣድላዪ ዘበለ ደገፍ ከምዝገብርን ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ኣረጋጊፆም ከም ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
13 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons