ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳዶር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማሲንጋን ተራኺቦም ዘተ ኣካይዶም።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ትዊተር ኣብ ዘቕረብዎ ሓበሬታ፣ ኣካል ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነትን ቕልጡፍን ክትግበር እንገብሮ ምንቅስቓስን ፃዕርን እቲ ዝተኻየደ ዘተ ፅቡቕ ምንባሩ ኣረጋጊፆም።
 
ኣካል ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባናን ሰላም ንምርግጋፅ እንገብሮ ፃዕሪን ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ከነቀላጥፎ ከምዘለና ቀንዲ ትኹረት ዘተና እዩ ነይሩ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝቕፅል ዘሎ ብድሆታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምፍታሕን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅን ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ካልኦት መድረግቲ ኣካላት ብቐረባ ንምስራሕ ዘለና ቕርቡነት ደጊምና ኣረጋጊፀና ኣለና ክብሉ ሓቢሮም ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
10 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons