መድረኽ ፕሮግራም ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
 
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚስ ሃናስ ሰርዋ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዋኒናት ምስ ኣመራርሓ ትግራይ ንምዝታይ ሎሚ መቐለ ኣትዮም።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቐዋሚ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጲያ ሓዊሱ ተወከልቲ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዝሓዘ እቲ ጉጅለ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንምርኻብ መደብ ከምዘለዎ እውን ተሓቢሩ ኣሎ ።
ፕረዚዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውዳባት ትግራይ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ሎሚ 06 ለካቲት 2016 ዓ.ም መድረኽ ፕሮግራም ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጥ ዘሎ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
06 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons