ኣብ ቁፅፅርን ክትትልን ናውቲ መዐወኒ ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ፡፡
 
ኣካላት ፀጥታን ሕብረተሰብን ብዘካየድዎ ተፍትሽ ብርክት ዝበሉ ናውቲ መዐወኒ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ዓዲግራት ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣባላት ፖሊስ፣መሓውር ፀጥታን ሕብረተሰብን ንስራሕቲ ፀጥታ ዓንቀፍትን ስግኣታት ተባሂሎም ኣብ ዝተነፀሩ ከባብታትን ብዝተኻየደ ዳህሳስ መዐወኒ ናውቲ ከም ዘወገዱ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ዓዲግራት ተጋዳላይ የማነ ኪዳነ ሓቢሮም፡፡
 
እዚ ከምዚ ኮይኑ ኣብታ ከተማ ፀገም ፀጥታ ከምዘሎን ገበንን ስግኣት ገበንን ንምቕናስን ውሑስ ፀጥታን ሰላምን ንምዕሳልን ድማ ሰፊሕ ስራሕ ይጠልብ ዝበሉ እቶም ኣዛዚ ኣብ ኩለን ቀበሌታትን ቀጠናታትን ምስ ዘሎ ሕብረተሰብ ብምልዛብ ሓለዋ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ኣረዲኦም፡፡
ብዘይ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ሰላምን ፀጥታን ከምዘይረጋገፅ ዝገለፁ ተጋዳላይ የማነ ከምቲ ኣብ ቁፅፅር ናውቲ መዐወኒ ብሓበሬታ ሕብረተሰብን ዝተዋደደ ስራሕ ኣካላት ፀጥታን ዝሐሸ ስራሕ ዝተሰርሐ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ፀጥታ ድማ ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡
ካብ ስግኣት ሓራ ዝኾነት ከተማ ንምፍጣርን ሕብረተሰብ ልምዓታዊ ንጥፈታቱ ከሳልጥን እንተኾይኑ ግደ መላእ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ መፍረያይ ሓይሊ መንእሰይ ኣብ ምውሓስ ፀጥታን ሰላምን ከባቢኦም ምስ ኣባላት ፖሊስን ኣካላት ፀጥታን ሓበራዊ ርክብ ብምፍጣር ንዝሐሸ መፃኢ ክስርሐሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፤ ከም ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ
ትግራይ፡፡
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
16 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons