ኣብ ከተማ ማይጨው ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዘድሃበ ዘተ ማሕበረሰብ ይካየድ ኣሎ
 
እቲ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይን ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይን ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ማሕበረሰብ ፣ ድሕሪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት (ስደት) ምክልኻልን ምቁፅፃርን ብዕቱብ ክሰረሐሉ ስለዝግባእ፣ “ቅልውላውን ፍልሰት መናእሰይ ትግራይ” ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፉ ቀሪቡ ድማ ሎሚ 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ካልኦት ወገናትን ዝተረኸቡ ከምዝኾኑ ሓበሬታ ክኢላ ማሕበራዊ ሚድያ ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ቦታ ኣመልኪቱ ኣሎ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ
11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons