ኣብ ትግራይ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ከም ዝሳለጥ ተፈሊጡ
 
ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ንመበል 9ይ ጊዜ 12ን 13ን ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ መቐለ ከምዝሰላሰል ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣፍሊጡ።
ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝሓበሩዎ፣ እቲ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዓለም ለኸ ምርምር መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ንመበል ታሽዓይ ጊዜ ከምዝኾነን 21 ምርምራት ብኣርባዕተ ቋንቋታት ትግራይ ማለት እውን ብትግርኛ፣ሳሆ፣ኩናማን ግእዝን ከም ዝቐርብን ሓቢሮም።
ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ካብ 2009 ዓ.ም ክሳብ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ሸሞንተ ጊዜ ሃገር ለኸ መፅናዕቲ ቋንቋታት ከምዘሳለጠ ዘዘኻኸሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፣ እቲ ሎሚ ዓመት ንመበል ታሽዓይ ጊዜ ዝሳለጥ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ካብቶም ቅዱማት መፅናዕቲ ዝፈልዩዎ፣ ዛዕባታት ምርምር ንተመራመርቲ ዕላዊ ብምግባር ዕድመ ከምዝተገበረን ካብ መላእ ዓለም ዝመፁ ተመራመርቲ ብምህላዎም እቲ መፅናዕቲ ሃገራዊ ዘይኮነስ ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ከምዝኾነን ብቋንቋ ሳባ ክቐርብ ትፅቢት ዝግበረሉ መፅናዕቲ እውን ዘካተተ ብምዃኑን እዩ ኢሎም።
 
ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ብ2006 ዓ.ም ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብኣዋጅ ዝተጣየሸ መንግስታዊ ትካል ከምዝኾነን ብ2008 ዓ.ም ሕጋዊ ሰብነት ብምርካብ ካብ 2009 ዓ.ም ክሳብ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ሸሞንተ ጊዜ ሃገር ለኸ መፅናዕቲ ቋንቋታት ከምዘሳለጠን እውን ተሓቢሩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
08 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons