ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ሰብ ሞያ ምፅራይ ሓደጋ ትራፊክ መንገዲ ብምምራቕ ናብ ስራሕ ኣዋፊሩ ኣሎ።
 
ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንሓደጋ ትራፊክ መንገዲ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምዝባዕ ፍትሒ ንምክልኻል ኣርባዓን ሰለስተን ሓደሽቲ ሰብ ሞያ ምፅራይ ሓደጋ ትራፊክ መንገዲ ሎሚ 07 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ብምምራቕ ናብ ስራሕ ኣዋፊሩ ኣሎ።
ኣብቲ ሞያ ኣብ ባይታ የጋጥም ዘሎ ክፍተት ብምፅናዕ እቲ ኮሚሽን መብዛሕትኦም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ሞያ ፖሊስነት ካብ ዝፀንሑ ኣባላቱ ብምምልማል ንክልተ ሰሙናት ኣብቲ ሞያ ዘድሃበ ዕሉም ስልጠና ብምሃብ እዩ ኣመሪቑ ዘሎ።
እቲ ኮምሽን ነቶም ተመረቕቲ ናብ በብወረድኡ ከም ዘዋፈረ እውን ዳይሬክተር ዳይሮክተሬት ድሕንነት ትራፊክ መንገድን ምፅራይ ሓደጋን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኮማንደር ብርሃነ መስቀል በየነ ገሊፆም ክብል ኮሙዩኒኬተር ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ሓቢሩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
07 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons