ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳዳር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ማዲንጋን ዘትዮም ።
 
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ኣብ ዝትግበረሉ ኣገባብን ኣብ ትግራይን ንዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዕሙቆቱን ብስፍሓት ዝተዛተይሉ ኮይኑ ብፍሉይ ንትግራይ ኣብ ዘገድሱ ብሓፈሻ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ሰፋሕቲ ዋኒናት ኣምልኪቶም ከምዝተዛተይሉ ተሓቢሩ እዩ።
ጉዳይ ሙሉእነት ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ጊዜ ዘይህብ ሰብኣዊ ቅልውላው ልዑል ኣቓልቦ ክረክብን ከምዝግባእ ፡ ኣብ መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያሽን እውን ካብ መንጎ ዝተልዓለ ጉዳይ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
4 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons