ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ወለድ ዝምልከት ዝገበሮ ምምሕያሽ !!
 
* ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዓማዊላ ብመልክዕ ወለድ ክትረኽቦ ዝነበረት ካብ 2.5 ክሳብ ሰለስተ ቢልዬን ብር ወለድ ሕድገት ገይራ ኣላ ።
* ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ንዝነብሮም ዓማዊላ ካብ 30 ክሳብ 100 ሚእታዊ ዝበፅሕ ሕድገት ወለድ ገይሩ ኣሎ ።
* በዚ መሰረት ድማ በቲ ትካል ብዝተገብረ ፅንዓት መሰረት ኣብ ስራሕ ዝፀንሑን በዚ ፅንዓት ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ከምዘለዎም ዝተረጋገፁ ውሱናት ኣካላት ናይ 2014 -2015 ዓ/ም 30 ሚእታዊ ሕድገት ተገይርሎም ክኸፍሉ ተወሲኑ እዩ።
 
* ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ 60 ሚእታዊ ሕድገት ከም ዝተገብረሉ ዝገለፀ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣይተ ሳሚኤል ክፍለ እዬም።
* እዚ ትካል ብፉሉይ ይረኣዩ ንዝበሎም ኣካላት ስድራ ስውኣት ድማ 100 ሚእታዊ ሕድገት ከምዝገበረ ።
* ብተውሳኺ ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበፅሖምን ከምኡ እውን ፃታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናት ሙሉእ ስረዛ ወለድ ከም ዝተገብረ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
17 ሕዳር 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons