ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ወለድ ዝምልከት ዝገበሮ ምምሕያሽ !!
* ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዓማዊላ ብመልክዕ ወለድ ክትረኽቦ ዝነበረት ካብ 2.5 ክሳብ ሰለስተ ቢልዬን ብር ወለድ ሕድገት ገይራ ኣላ ።
* ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ንዝነብሮም ዓማዊላ ካብ 30 ክሳብ 100 ሚእታዊ ዝበፅሕ ሕድገት ወለድ ገይሩ ኣሎ ።
* በዚ መሰረት ድማ በቲ ትካል ብዝተገብረ ፅንዓት መሰረት ኣብ ስራሕ ዝፀንሑን በዚ ፅንዓት ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ከምዘለዎም ዝተረጋገፁ ውሱናት ኣካላት ናይ 2014 -2015 ዓ/ም 30 ሚእታዊ ሕድገት ተገይርሎም ክኸፍሉ ተወሲኑ እዩ።
* ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ 60 ሚእታዊ ሕድገት ከም ዝተገብረሉ ዝገለፀ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣይተ ሳሚኤል ክፍለ እዬም።
* እዚ ትካል ብፉሉይ ይረኣዩ ንዝበሎም ኣካላት ስድራ ስውኣት ድማ 100 ሚእታዊ ሕድገት ከምዝገበረ ።
* ብተውሳኺ ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበፅሖምን ከምኡ እውን ፃታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናት ሙሉእ ስረዛ ወለድ ከም ዝተገብረ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
17 ሕዳር 2016 ዓ.ም
መቐለ