ስነ ስርዓት ምልዓል ኣስከሬን ሓርበኛታት ኣብ ከተማ ሓውዜን ተካይዱ።
 
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሓውዜን ዝካየድ ዘሎ ስነ ስርዓት ምልዓል ሓርበኛታት ተታሒዙ ኣብ ቀፃሊ ድማ እቲ መቃብር ሓርበኛታት ከም ዝለምዕን ግቡእ ክንክን ከም ዝግበረሉን ከንቲባ ከተማ ሓውዜን ኣይተ ኣርኣያ ሃይለማርያም ገሊፆም ።
 
ብመሰረት ኮሚሽን ሃርበኛታት ክልል ትግራይ ዝሃቦ ኣንፈት ኣብ ከተማ ሓውዜን ከባቢኡን ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት ምእንቲ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኢሎም ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስውኣት መቃብር ብመራሕቲ ሃይማኖት ፣ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ፣ ህዝቢ ከተማ ሓውዜን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ዕለት 04/03/2016ዓ/ም ናብ ናይ ጀጋኑ መዕረፊ ሓርበኛታት ከተማ ሓውዜን ብኽብሪ ክዓርፍ ተገይሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ሓበሬታን ርክብን ምምሕዳር ከተማ ሓውዜን ኣብ ዝገለፆ ነዚ ፕሮግራም ንምስላጥ ነጋዶ ከተማ ሓውዜን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ህዝብን ሓይልታት ፀጥታን ዝገበርዎ ስራሕ ክምስገኑ ይግባእ ክብሉ ኣይተ ኣርኣያ ሃይለማርያም ገሊፆም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይገሊፁ
04 ሕዳር 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons