እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዝባፅሑ ዝራእቲ ሓደጋ የብፅሕ ብምህላው ኣካላት ፀጥታን ሰራሕተኛ መንግስቲ ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ኣብ ጣብያ ሓፀቦ፣ ቁሸት ማይሽረን ዓዲ ቀርንን ንስድራ ስውኣት ሓገዝ ዓፂድ የካይዱ ኣለዉ።
 
እዚ እንገሮ ዘለና ሓገዝ ዓፂድ ካባና ትፅቢት ዝግበረሉን ስውኣትና ዝሃቡና ሕድሪ ክንፍፅምን ስድራ ስውኣት እውን ደቆም ከምዘለው ክሓስቡ ኣየኹም ንምባልን እዩ ዝበሉ እቶም ሓገዝ ዓፂድ ዘካየዱ ኣካላት፣ እዚ ስራሕ ድማ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና፤ እዛ ቀውዒ ከምዚኣ ተሓጋጊዝና እንተሰጊርናያ ዕዳጋ እውን ክረጋጋዕ ይኽእል እዩ ከምዝበሉ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ሓቢሩ።
እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ጉድኣት እንተብፂሑ ግና ነባሪ ከተማ እውን ናብ ዝኸፍአ ፀገም ክኣቱ ስለዝኽእል ኢደይ ኢድካ ተበሃሂልና ክንተሓጋገዝ ይግባእ ኢሎም።
ሓገዝ ዓፂድ ሓዝተገበረሎም ስድራ ስውኣት ድማ እቲ ዝተገበረልና ደገፍ ጉልበት ነመስግን፤ መዓልታዊ ክፍሊት ንምፍፃም ዓቕሚ ስለዝሓፅረና ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ምርካብና ዝለዓለ ታሕጓስ ፈጢሩልና እዩ። እዚ ተግባር ድማ ብርክት ዝበሉ ከምዚ ዝበለ ዕድል ዘይረኸቡ ስለዘለው ተጠናኺሩ ክቅፅል ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብዚ ዕለት ብዝተገበረ ሓገዝ ዓፂድ ልዕሊ 4 ሄክታር ዝተዘርአ ጣፍ ክዕፀድን ክእከብን ከምዝተኽኣለ ገጠር ልምዓት ጣብያ ሓፀቦ ገሊፆም እዮም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
30 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons