ምጥንኻር ስራሕቲ ጥሙር ጥዕና
 
ስራሕቲ ጥሙር ጥዕና ንምጥንኻርን ንምዝማንን ዝተመሃረ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ብኮንትራት ንምቑፃር ዘኽእሎ ሰነድ ከምዘዳለወ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝዓነወን ዝተዛበዐን ስራሕቲ ጥሙር ጥዕና ዳግም ናብ ንቡር ንምምፃእን ኩለ መዳይ ሃሰያ ዝበፅሖ ዘሎ ማሕብረሰብ ብቐረባ ንምሕጋዝን ንሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝፀንሕ ፤ሓደሽቲ ብዲፕሎማን ዲግርን ዝተመረቑ ሰብ ሞያ ጥዕና ተቐቢሉ ብምስልጣን ብኮንትራት ከም ዘስርሕ ተሓቢሩ።
ነዚ ስራሕ ንምዕዋት ዘኽእሎ ሰነድ ብምድላው ንተግባራውነቱ ምስ መድረግቲ ኣካላት ይዝቲ ከምዘሎ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ፀጋይ በሪሁ ገሊፆም።
ኣብ ኩለመዳይ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ናብ ባይታ ወሪድካ ንምሕጋዝን ስራሕቲ ጥሙር ጥዕና ብዝበለፀ ንምዝማንን ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ንልዕሊ 740 ሰራሕተኛታት ጥሙር ጥዕና መልሚሉ ብምስልጣን ናብ ተግባር ከምዘአቱ ዶክተር ፀጋይ ወሲኾም ሓቢሮም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ስራሕቲ ጥሙር ጥዕና ኣድሂቡ ካብ ዩኒቨርስቲታት ትግራይ፣ትካላት ገበርቲ ሰናይን መድረግቲ ኣካላትን ዝተሳተፍሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ስልጠና ሂቡ።
ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ብወገኖም ስራሕቲ ጥሙር ጥዕና ንምጥንኻር ይውሰድ ዘሎ ተበግሶ ብምንኣድ፣ ንነባራት ስራሕተኛታት ጥሙር ጥዕና ተወሳኺ ዓቕሚ ዝኸውን ብምዃኑ ካብ ኮንትራት ዝዘለለ ብዘላቕነት ንኽጠናኸር ክሕሰበሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፤ ዝበለ ቴሌቪዥን ትግራይ እዩ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
28 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons