ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ንዝኽሪ ብሄራዊ ጀጋኑ ስውኣት ትግራይ ዝጠመተ ስነ-ስርዓት ምብራህ ጥዋፍ ይሳለጥ ኣሎ
ንዝኽሪ ብሄራዊ ጀጋኑ ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ኣመልኪቱ፣ ስነስርዓት ምብራህ ጥዋፍ ሎሚ 3 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 1:00 ምሸት ንፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሰራዊት፣ ነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ እናተኻየደ እዩ።
ከምኡ እውን እቲ ስነስርዓት ምብራህ ጥዋፍ ልክዕ ሰዓት 1:00 ምሸት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተፈላለዩ ጎደናታትን ካብ መቐለ ወፃኢ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ይሳለጥ ኣሎ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
03 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons