ብሄራዊ ሓዘን፣መርድእ፣ዝኽርን ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ብምኽንያት ብምግባር ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ስነ-ስርዓት ምቅማጥ ሕቁፊ ዕንበባ ተኻይዱ።
 
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፦ ካብ ህላወኦም ህላወ ህዝቦም ዓዶምን ኣብሊፆም ትንፋሶም ወፍዮም ትንፋስ ዘሰኩዕልና ተባዓት ኣካላት ፅንዓት ስውኣትና ፍቱዋቱ ከም ዝቐበረ መሪር ሓዘን ሓዚንና ከም ዓወት ጀጋኑና ተዓዊትናን ተሓቢንናን ብልዑል ፅምብል መስዋእቶም ክንዝክር ዛንታኦም ክነኽብር ተዳሊና ኣለና ኢሎም።
ኣያታትናን ኣዴታትናን ንሳላሳ ዓመት ብደምን ኣዕፅምትን ንዝነደቕዎ ሓወልቲ ነፃነት ምስ ሙሉእ መሰሉን ክብሩን ኣረኪቦምና እዮም። ንሶም ናፅነት ጥራሕ ዘይኮነስ ትሕቲ ማንም ከይንወርድ ኣብ እንግድዓ ማንም ከይንስቀል እውን ግቡእና ነጊሮምና እዮም።
 
ዓለም ኣብ ርእሰና ዝተፈፀመ ኣካላውን ስነ-ኣእምረኣውን ሓደ መዓልቲ ክትዝልሮን ክትብይኖን ትኸውን። ንሕና ግን ዘንተዕለት ኣይንርስዖን። ኣብዚ መሪር ግዘ መተካእታ ዘይብላ ህይወትክን ከፊልክን ትንፋስ ትግራይ ክትቅፅል ዝገበርክን ስውኣትን ጉድኣትን ብሓፈሻ ፍልፍል ህላወ ትግራይ ስለዝኾንክን ብኣኽን ንሕበን ክብሉ ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም።
መስዋእትንት ደቅና ክነርድእን ጀጋኑና ክንዝክሮምን ኣይኮነን እዚ መርሃ ግብሪ እዙይ ተዳልዩ። ምእንተ እንታይ ከም ዝሓለፉ ኣብ ብራና ታሪኽ እንታይ ፋይዳ ንወለዶ ከምዘትረፉን ክዝንተወሎም እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ህላወና ካብ ዝተሰውኡሎም ክብርታትን መትከላትን እዩ ዝምንጩ። ኩላትና ክንህሉን ክርህወናን እዮም በጃና መስዋእትነት ኮይኖም።
ካብ ወለዶም ደኣ ይወለዱ እንበር ደቅና፣ ኣሕዋትና፣ ኣሓትና፣ ሓፍትኖታትናን ኣቦታትናን መታዓቢትናን ጎረባብትናን ልዕሊ ኩሉ ግን መቓልስትና ወገን ኩላትናን እዮም ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ኩልኻ በዓል ታሪኽ ተቓላሳይ ህዝብና ዝሓለፈ ፅንዓት ይሃብኩም ፅንዓት ይሃበና ንመፃኢ ይዓቅብኩም ይዓቅበና ክብሉ ድማ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
03 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons