ብምኽንያት መርድእን ቅንያት ብሄራዊ ሓዘንን ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ባንዴራ ትግራይ ትሕት ኢላ ክትስቀል እያ
 
ብምኽንያት መርድእን ቅንያት ብሄራዊ ሓዘንን ካብ ክልል ክሳዕ ጣብያ ኮሚቴታት ተጣይሸን ነቲ መርሃ ግብሪ ንምስላጥ ምድላዋት ከምዝተወገነን 2 ጥቅምቲ 2016 ዓም መንግስቲ ዕላው መግለፂ ከም ዝህብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣረዲኦም።
“ንህላወ ዝተኸፍለ መስዋእቲ!!” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዝኽበር ስነ ስርዓት ብሄራዊ ሓዘን፣ መርድእን ዝኽሪ ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ 06 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም መዛዘሚ ከምዝግበረሉ ዝሓበሩ ኣይተ ረዳኢ፣ ካብ ዕለት 3 ክሳዕ 5 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ንዝኽርን ክብርን ሰማእታት ባንዴራ ትግራይ ትሕት ኢላ ከምትስቀልን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ምእንተ ህዝቦም ንዝተሰውኡ ስውኣትና ክብሪ ብዝህብ ኣገባብ ከሕልፎ ብምፅዋዕ፣ እቲ ስነስርዓት ስውኣትና ንምኽባር ቃል እንኣትወሉን ስድራ ስውኣት እንሕግዘሉን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ድምፂ ህዝቦም ዝኾኑ ዲያስፖራ ትግራይ እውን መስዋእቲ ከፊሎም እዮም ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሐዚ እውን ሕድሪ ስውኣት ንምኽባርን ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
01 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons