” ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፉ ሰማእታትና ብልምዓት እንተደቢስናዮም ዝበለፀ ክብሪ ኣለዎ”
 
ኣብ ስነ ስርዓት ብሄራዊ ሓዘን ፣ መርድእን ዝኽርን ስዉኣት ሃርበኛታት ትግራይ ኣመልክቶም መልእኽቲ ዘሕለፉ ኣብ መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ላዕላዋይ ቤተ ክህነት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ ከም ዝበልዎ፣ ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፉ ሰማእታትና ኣብ ተስካሮም እኽልን ማይን ብምፍሳስ ምድጋስ ዘይኮነስ ንሳቶም ትግራይ ነፃነት ክትረክብ ፣ ክትዓብን ክትለምዕን ዝሓለፉ ስለ ዝኾኑ ዝለዓለ ክብሪ ይግቦኦምን ሕድሮም ብልምዓት እተደቢስናዮም ድማ ዝበለፀ ክብሪ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም ።
 
እዚኦም ኣይሞቱን ህያውያን እዮም፤ህያው ዝበሃል ሰብ ከምዚ ዓይነት ፍፃሜ ዝፈፀመ እዩ፤ ህያው እዮም ዝሞቱ ኣይኮኑን። ቤተ ክርስትያን ስለ ዓዱ ፣ ስለ ወገኑን ሃይማኖትን ዝሓለፈ ብሰማእትነት ትፅውዕ። ስለዚ እዞም ደቅና ህዝቢ ትግራይ ይበፅሖ ካብ ዝነበረ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ንምክልኻል ክብሉ እታ ዝፈትውዋን መተካእታ ዘይብላን ህወቶም ንህዝብና ንወገንና ኢሎም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ስለ ዝኾኑ ካብዚኣ ዝበለፀት ሰማእትነት የለን። ስለዚ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ሰማትነት ዝፈፀሙ ብምዃኖም ቤተ ክህነት ትግራይ ሰማእቲታት ትግራይ ኢላቶም ኣላ።
እዚኦም ክብሮም ኣብ ሰማይን ምድርን እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝወርሱላ፣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ክሳብ መጨረሻ ትውልዲ ስማቶም እናተፀወዐ ዝነብር እዩ። ንሕና ብህይወት ዝተረፍና ድማ ንስድራ ስውኣት ክነፅናዕነዖም ፣ ክንኸናኸኖምን ክነኽብሮምን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም ።
ኣብ መወዳእታ ኣቦና ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንስድራ ሰውኣት ፈጣሪ ፅንዓት ንክህቦም ተመንዮም፤ ክብል ነዚ ዜና ዝለኣኸልና ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ እዩ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
01 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons