ጀጋኑ ስዉኣት ትግራይ ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ።
 
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ምስ ድምፂ ወያነ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከም ዝበልዎ፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ንምክልኻል ስዉኣት ትግራይ ክቡር ሂወቶም ብምውፋይ ቀፃልነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ከረጋግፁ ምኽኣሎምን በዚ ክቡር መስዋእትነት ድማ ንዘልኣለም እናተዘከሩ ዝነብሩ ጀጋኑ ከምዝኾኑን ገሊፆም።
እዞም ጀጋኑ ስዉኣት ንክብሮምን ንዝኸፈልዎ መስዋእትነት ብዝምጥን ኣገባብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝስርሑ ዝሓበሩ ኣይተ ረዳኢ፣ጀጋኑ ስዉኣት ናይ ኩላትና እዮም፤ ኩላትና ድማ ግቡእ ክብሪ ንህቦም ክብሉ ገሊፆም።
ጀጋኑ ስዉኣት ምእንቲ ህላወ ህዝቦም፣ ንፍትሒ፣ ንልምዓትን ንዲሞክራሲን ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፣ኩሉ ትግራዋይ ሓደራ ኩሎም ሰማእታትን ዕላማን ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ብዝለዓለ ወነ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።ብሄራዊ ሓዘን ጀጋኑ ሰማእታት “ንህልውና ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ከምዝዝከር እውን ኣፍሊጦም።
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዙሕ ለውጥታት ከምዝተራእየ ዘልዓሉ ኣይተ ረዳኢ፤ ይኹንምበር ሕዚ እውን ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዘይተመለሱ፣ ብዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተወረሩ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ትግራይ ኣለዉ እዮም ኢሎም። ብሰንኪ እዙይ ድማ ፈቐዶ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዘሰክፍ ሂወት እናሕለፉ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን ኢሎም።
ብምዃኑ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘለዎን ነዙይውን ዝለዓለ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምግባርን ተሓባቢርካ ምስራሕን ከምዘድሊ ዝገለፁ ኣይተ ረዳኢ፣ብምኽንያት መንነቶም ዝተኣሰሩ ብርክት ዝበሉ ደቂ ትግራይ ስለዘለዉ ክፍትሑ ኣለዎም ኢሎም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
24 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons