ገባሪ ሰናይ ትካል እምሆይ ፀጋ ግርማይ ኣብቲ ማእከል ዘለዉ ተመዛበልቲ ወገናት ካብ ዲያስፖራ ወገናት ዝግበረሎም ዝነበረ ሓገዝ ብምቕናሱ ካብ 24 ሽሕ ተሓገዝቲ ወገናት ናብ ኣስታት 13 ሽሕ ወገናት ከም ዝነከዩ ሓቢሩ።
ኣብ ማእከል ህፁፅ ህይወት ምድሓንን ምፅናሕን ምግባረ ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ግርማይ ምክትል መተሓባበሪት ወይዘሮ ሰለማዊት ማሙ ከም ዝበለኦ፣ ኣብቲ ማእከል በዝሒ ተሓብሐብቲ ብዘይካ ገዛ ንገዛ እናኸድኻ ሓገዝ ዝግበረሎም ልዕሊ13 ሽሕ ተመዛበልቲ ወገናት ከምዘለውን ፤ ቅድም ኢሉ ልዕሊ 24 ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዝነበሩን ይኹንምበር ብምኽንያት እቲ ዝግበረሎም ዝነበረ ሓገዝ ምንካይ እናወፁ ይኸዱ ኣለዉ ይብላ።
 
ኣብቲ ማእከል ህፃናት፣ነብሰ ፁራት፣ሓራሳትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት ከም ዝርከቡን፣ ፍልፍል እቶት እቲ ማእከል ዳያስፖራ ከምዝኾኑን ዝሓበራ ወይዘሮ ሰለማዊ፤ ይኹንምበር እቲ ብዳያስፖራ ዝለኣኽ ዝነበረ ሓገዝ ስለዝቐነሰ እቶም ወገናት ካብቲ ማእከል ክወፁ ይግደዱ ከም ዘለዉ ወሲኸን ብምሕባር፣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ጥምየትን ዕርቃንን ወዲቖም ዘለው ወገናት ንምድሓን ዳያስፖራ ሓዊሱ መንግስታውን ዘይመንግስታዊ ትካላት ትኹረት ክህብሉ ፀዊዐን።
ወይዘሮ ለተገብሪኤል ገብረመድህን ካብ ቃፍታ ሑመራ፣ነጋሽ ሓጎስ ድማ ካብ ወረዳ ወልቃይት ተመዛቢሎም ከም ዝመፁ ይሕብሩ። እቶም ወገናት ብምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ዝግበረሎም ሓገዝ ብምንኣድ ሕዚ ኣብ ዝኸፍአ ፅልምትምት ናብራ ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።
እቶም ወገናት ኣብ መዓልቲ፣ ቁርሲ ጥራሕ በሊዖም ከም ዝውዕሉን እዙይ ድማ ከም ወዲሰብ ከቢድ ብምዃኑ ንኣካላውን ስነ ኣእምራዊ ፀገማት ተቓሊዖም ከም ዘለውን ብምግላፅ፣ መንግስቲ ኮነ ካልእ ኣካል ብቐንዱ ናብ መረበትና ክመልሰና፤ ካብዚ ሓሊፉ ግና ክሳብ ናብ መረበትና ንምለስ ሓገዝ ምግብን ክዳንን ክወሃበና ተስፋ ንገብር ኢሎም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
11 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons