ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝካየድ ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይካየዱ ከም ዘለዉ ገሊፁ
 
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ሽረ እንዳሰላሰ መምህር ገብረመድህን ወልጅወርግስ፣ ብሰንኪ ኩናትን ወራርን ከቢድ ዕንወት በፂሑዎ ንሰለስተ ዓመት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝካየድ ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእሉ ስራሕቲ እንትህልዉ ልዕሊ 27 ሽሕ ተምሃሮ ንምምዝጋብ ትልሚ ተተሒዙ ይስራሕ ከም ዘሎ፣ 680 መምህራን እውን ተዳልዮም ከም ዘለዉን ህንፀት መምሃሪ ክፍልታት እውን ይሳለጥ ከምዘሎን ምሕባሮም ሓበሬታን ርክብን ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ዝለኣኸልና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቶም ሓላፊ ሕፅረት መምሃሪ ክፍልታት ኣመልኪቶም ከም ዝበልዎ፣ ብብርኪ ከተማ ልዕሊ 225 ክፍልታት ንምስራሕ ብምትላም ዳሳት ከም ጊዚያዊ መፍትሒ ብምውሳድን ካልኦት ሜላታት ብምጥቃምን ከይዲ ትምህርቲ ንምስላጥ ዝሕግዙ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ። ከምኡ እውን ተሳትፎ ሕብረተሰብ እንትርአ ዋላ እኳ እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም እንተሃለወ ትምህርቲ መፍትሒ ኩሎም ፀገማት እዩ ኢሉ ብምእማን ደቁ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ብምስዳድ፣ ገንዘቡን ጉልበቱን ብናፃ ብምውፋይ ዝሰርሖ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝተባባዕ ምዃኑ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።
ኣብቲ ከተማ 13 ኣብያተ ትምህርቲ መንግስቲ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ወገናትና ኮይነን ብምህላወንን ኣብ እዋኑ ክውድኡ ዝግበኦም ክፍልታት ብዘይ ምውደኦምን 9 መስከረም ክጅመር ተሓሲቡ ዝነበረ ትምህርቲ፣ 15 መስከረም ኣብተን ቀልጢፈን ዝወድኣ ቀበሌታት ንምጅማር ከም ዘገደደ ዝገለፁ መምህር ገብረመድህን፣ ሕፅረታት መምሃሪ ክፍልን ካልኦት ፀገማትን ብምህላዎም ዓንቀፍቲ ይኾኑ ስለዘለዉ እዚኦም ዝፍትሑ ተሓጋጊዝካ ብምዃኑ ክሕግዙና ዝደልዩ ወገናት ዝከኣሎም ኩሉ ንከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚ እፅውዕ ኢሎም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ብግደኦም ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሐ ዓፀቦ ከቢድ ከምዝኾነን ከም መርኣያ ድማ እቲ ተመዛበልቲ ወገናትና ዘለዉዎ ክፍልታት ብዙሕ ተምሃራይ ከተኣናግድ ዝኽእል እኳ እንተነበረ እቶም ወገናትና ብሰንኪ እቲ ዝተኣወጀልና ኲናት እዮም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብዚ ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ድሕሪ ምባል፣ ነዙይ ድማ ዘላቒ መፍትሒ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክትግበርን እቶም ወገናት ናብ ቦተኦም ክምለሱን ብምግባር ደቅና ድማ መምሃሪ ክፍልታት ዝረኽብሉ ኩነታት ይህልዎም ኢሎም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
10 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons