ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘመሓድረን ከባብታት ዝተፈተኑ ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ 98 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ውፅኢት ብምምፃእ ከምዝሓለፉ ኣፍሊጡ
 
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘመሓድረን ከባብታት ዝተውሃበ ፈተና 8ይ ክፍሊ 98 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ውፅኢት ብምምፃእ ከምዝሓለፉ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ሓፈሻዊ ትምህርቲ ትግራይ ሎሚ 09 መስከረም 2016 ዓ.ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ።
ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፣ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ሓፈሻዊ ትምህርቲ ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምዘና ትምህርቲ፣መፅናዕትን ፈተናታትን ኣይተ ክንፈ ፍስሃ፣ ኣብ 2015 ዓ.ም ካብ ዝተመዝገቡ 8ይ ክፍሊ ተምሃሮ 57 ሽሕን 281 ከም ዝኾኑ፣ ዝተፈተኑ 27 ሽሕን 507 ደቂ ተባዕትዮ፣ ከምኡ እውን 25 ሽሕን 611 ድማ ደቂ ኣነስትዮ ብድማር 53 ሽሕን 118 ምዃኖም ብምሕባር፣ 98 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ብምምፃእ ከም ዝሓለፉ ኣፍሊጦም።
ካብቶም ንፈተና ዝቐረቡ እቶም 27,110 ደቂ ተባዕትዮ፣ እተን 25,243 ድማ ደቂ አነስትዮ ብድማር 52,353 ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ናብ 9ይ ክፍሊ ከም ዝሓለፉን፤ 397 ደቂ ተባዕትዮን 368 ደቂ ኣንስትዮ ብድማር 765 ተምሃሮ ናብ ዝቕፅል ክፍሊ ከም ዘይሓለፉን ኣይተ ክንፈ ኣፍሊጦም።
ዝሓለፉ ተምሃሮ ብሚእታዊትን ብፆታን እንትግለፅ 98.6 ሚኢታዊ ደቂ ኣነስትዮ፣ 98.6 ሚኢታዊ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝኾኑ ብሓፈሻ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ተ ክንፈ፤ መሕለፊ ነጥቢ ብዝምልከት ድማ ንሳሆን ኩናማን ማእኸላይ ውፅኢት 39 ከም ዝኾነን ካብዚኦም ወፃኢ ድማ ማእኸላይ ውፅኢት 40 ከም ምዃኑ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናትን ሕማም ኮሮናን ምኽንያት ከይተፈተኑ ዝፀንሑ ከይዲ ምዝገባ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ካብ 08 መስከረም ክሳብ 11 መስከረም ትኹረት ተገይሩ እናተኻየደ ከም ዝርከብን ዝሓበሩ ኣይተ ክንፈ፣ ካብ 29 መስከረም ክሳብ 02 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ድማ ነቶም ተፈተንቲ ተምሃሮ ኣብ ዝተመደብዎ ዩኒቨርስታትን ብስሩዕ ደብዳበ ፈተና ከም ዝወሃብ ምስ ፌደራል ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተዘራሪብና ኣለና ኢሎም።
ተመዛበልቲ ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ እውን ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መፈተኒ ቦታ ከይዶም ብምምዝጋብ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለትን ቦታን ክፍተኑ ከምዝኽእሉ ኣይተ ክንፈ ሓቢሮም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚንኬሽን
09 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons