ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ስነ ስርዓት ምጅማር ግልጋሎት ማእኸል መሐብሐቢ ጀጋኑ ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ
 
=ምሉእ ኣካል እናሃለወኩም ዝፈልጠኩም ሐዚ ኣካልኩም ዝስኣንኩም ግን ድማ ኣካልኩም ዝሰኣንክምሉ ምኽንያት ልዕሊ ኩሉ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝተኸፍለ ዋጋ ስለዝኾነ ንኾርዐሉን ንሕበነሉን። ዝግበኦ ክብርን ሞጎስን ክረክብ ምዃኑ እውን ክገልፅ እደሊ፡፡
=እዚ ማእኸል ድማ ኣካሎም ዝጎድሉ፣ ምስ ምሉእ ኣካሎም ንፈልጦም ሰባት ንሕብሕበሉ ማእኸል እዩ። ኣብዚ ማእኸል እዚ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበርኩም ከባቢ ብኣንፃራውነት ዝሓሸ ግልጋሎት ከም ትረኽቡ (ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ዝረኣኽዎ እውን) ንኣካል ጉድኣት ብዝምጥን መንገዲ ዝተዳለዉ መገልገሊ ቦታታት ኣለዉ፡፡ እዚ ግን እኹል ከምዘይኮነ ይርደኣኒ እዩ፡፡
 
=ሐዚ እውን ብኣሸሓት ዝቁፀሩ ጉድኣት ኣካል ኣለውና፡፡ እዚ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ካብ ምሕብሓብ ሓሊፍና ስልጠና ብምሃብ ዝሓሸ መነባብሮ ክነብሩ ክግበር እዩ። ነታ ኣካል ከፊሎም፣ ህይወት ዝገበሩላ፣ ህልውንኣ ዘረጋገፅዋ፣ ብቐፃሊ እውን ከረጋግፅዎ ዝደልዩ ህልውና ትግራይ ኣብቲ ዳግመ ሕውየት ይኹን ኣብ ዳግመ ህንፀት ስራሕትና እውን ምሉእ ተሳትፎም ክገብሩ ኩሉ ዓይነት ስልጠናታትን ኣገልግሎታትን ክንህብ ድልዋት ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልፅ ይድሊ፡፡ ዝኾነ ይኹን ጅግና ዝግበኦ ናይ ሕክምና ግልጋሎት ክረክብ እውን ክንሰርሕ ልዕሊ ኩሉ ዘይተማልኡ ቀረባት ቀልጢፍና ክነማልእ ከም ዝግበአና ብስም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክገልፅ እደሊ።
=ልዕሊ ኩሉ ሃፍቲ ትግራይ ህዝባ እዩ፡፡ ብዕድመ ንእስነትኩም ህልውና ህዝቢ ትግራይ ክተረጋግፁ ኢልኩም ክዳን ኣይቀረበልኩም፤ እኽሊ ኣይቀረበልኩም ዝኽፈል ዋጋ ኸፊልኩም፤ ሐዚ በፂሕናሉ ኣብ ዘለና ኣንፃራዊ ዝኾነ ሰላም ክተብፅሑ ክኢልኩም፡፡ ዝተማልአ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ እንገብሮ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ንስኹም እውን ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረኩም ተወፋይነት ክትቅፅልሉ እትኽእልሉ መድረኻት ክነዳሉ ኢና።
=እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ተመሊሱ ብኣሸሓት ዝቁፀር ትግራዋይ ንዘየድሊ ኣካል ጉድኣትን መስዋእትን ዘይሰጠሓሉ ኩነታት ንምፍጣር እታ ዝተፈጥረት ሰላም ዓቂብና ክትሰፋሕን ክትዓሙቕን ብምግባር ዘተኣማምን ሰላም ዝወነነት፣ ህልውናኣ ዘረጋገፀት፣ መሰል ዓርሰ ውሳነኣ ምሉእ ብምሉእ ዘረጋገፀት ትግራይ ንምፍጣር ዝጀመርናዮ ምንቅስቓስ ሐዚ እዉን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና፡፡
=ልዕሊ ኩሉ ጀጋኑና ንምኽሓስ ድሌት ኣለና፡፡ ጀጋኑና ዝግበኦም ኣገልግሎት ንምሃብ ድሌት ኣለና፡፡ ድሩትነት ዓቕሚ ዝተማለአ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ዕንቅፋት ክኾን ከም ዝኽእል ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኾይኑ በዚ ኣጋጣሚ ግን ንጀጋኑና ክሳብ ሐዚ ምሃብ ዝጀመርናዮም ግልጋሎታት ውሱናት ምዃም ንፈልጥ ኢና፡፡ ሐዚ እውን ብኣሸሓት ዝቁፀር ጉድኣትና ዝግበኦም ዘይረኸብሉ ኩነታት ከምዘሎ ኣፀቢቕና ንርደኦ ኢና፡፡
=ኩሉ ነገራትና ኣመዓራሪና እተን ዘለዋና ጥሪት ካብ ድሌት ጀጋኑ ምምላእ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የለን። ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ከም ዘይሰርሐ ተረዲእና ቀሊጥፍና ናይ ኣካል ጉድኣትና፣ ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ኣባላት ሰራዊት፣ ልዕሊ ኹሉ ሐዚ ድማ ኣብ ቀረባ ግዘ፥ ህይወቶም ዝገበሩ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰማእታትና ክብሮም ብዝምጥን መንገዲ ብዕሊ መርድእ ጌርና ስድረኦም ብዝተወሰነ ደረጃ እውን ይኹን ምሳኹም ኣለና ዝብል መልእኽቲ እነሕልፈሉ ክኸውን እዩ።
=ዝኾነ ይኹን ጥሪት ትግራይ ንወለዲ ጀጋኑ፣ ንጀጋኑ ዘይኾነሉ ምኽንያት ከምዘየለ ድማ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዘለኒ እምነት፣ ዘለኒ ቆራፅነት ከረጋግፅ እደሊ። ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑን ዘይተሰርሑን ፀብፂብና ኩሉ ዝግበኦ ዝረኽበሉ ኩነታት ብዝተማለአ መንገዲ ክነረጋግፆ ከምዘይንኽእልን ድሩትነት ዓቕሚ ከም ዝሕዘናን ኣብ ግምት ኣእቲና ብዝተወሰነ ደረጃ ዝጀመርናዮም ኣገልግሎት ናይ ምስፋሕ ስራሕቲ ግና ደረጃ ብደረጃ እናማሓየሽና ሕቶታት ተጋደልትና፣ ኣባላት ሰራዊት፣ ስድራ ሰራዊትና ንምምላስ ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና።
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ ክብርን ሞጎስን ንኣካልኩም ኣጉዲልኩም ህልውና ህዝብና ዘረጋገፅኩም ጀጋኑ!!!
(ፍልፍል፦ ወይን)
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
09 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons