በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ዓጋመን ብዘጉልህ ግና ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘሎን ዘለናሉ ኩነታት ኣብ ግምት ብዘእተወን መንገዲ ንምብዓል ምድላዋት ከም ዝተወገኑ ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓዲግራት ኣፍሊጡ።
 
ኣብ ሓፈሻዊ ምድላዋት በዓል መስቀል ኣመልኪቶም ምስ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ፃንሒት ዝነበሮም መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝም ከተማ ዓዲግራት ኣይተ የማነ ተኽለማርያም ከምዝበልዎ፣ ”በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ከም ዝኽበርን ማሕበረሰባዊ ክብርታት ዓጋመ ክብ ብዘብልን ስቓይ ህዝብና ብዝፍውስ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታትና ብምዕቃብ ፀገምና ብምቅላል ናብ ረብሓናን ብዝልውጥን መልክዑ ንምብዓል እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
እቲ በዓል፣ ብመተሓባባራይነት ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ዝሳለጥ ዓኾ ዓኾዃይ፣ ሆያሆየ፣ ምርኢት ባህሊ፣ ደመራ፣ መኣዲ ዓጋመ፣ ፌስቲቫል ቤተሰብ፣ ጓይላ መስቀል፣ ስፖርት ፅዋዕ መስቀልን ዝኣመሰሉን ምድላዋት እውን ተሓጒስናን ኩሉ ነገር ተማሊኡ ዘይኮነስ እቶም መግለፂ ክብርና ዝኾኑ ትውፊታት ኣካል ሕውየትና ብምግባር ዋላ ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይንና ንረብሓና ብዝጥዕሙን ፀገምና ብዘቃልሉን ኣገባብ ንምኽባር ምድላዋት ከም ዘካትት ኣይተ የማነ ወሲኾም ገሊፆም።
ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ፈተውትን ተወለድትን ኣብ ሕውየት ከባብታት ዓጋመ ኣድሂቦም ንዘበርክትዎ ዘለዉ ዕዙዝ ግደ ብምንኣድ ድሕንነትን ፀጥታን ዜጋታት ውሑስ ንምግባርን ብምኽንያት እቲ በዓል ዝተጋነነ ናህሪ ዋጋ ንዘርኣዩ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዝከታተል ኮሚቴ ተጣይሹ እቲ በዓል ንክብሪ ህዝብና ብዝምጥን ኣገባብ ንክሓልፍ እናተሰርሐሉ ከም ዝርከብ እውን ኣረዲኦም።
በዓል መስቀል ኣብ ከባብታት ዓጋመ ብፍሉይ ፅምብልን ባህላዊ ትሕዝቶን ከም ዝኽበር ዝፍለጥ እዩ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
09 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons