ዓለምለኻዊ ትካል ገባሪ ሰናይ፣ “ቻይና ፋውንደሽን ፎር ሩራል ዲቨሎፕመንት” ዝተብሃለ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ 3 ሽሕ ተምሃሮ፣ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ዋግኦም ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዙ
ኣተሓባባሪ፣ “ቻይና ፋውንደሽን ፎር ሩራል ዲቨሎፕመንት” ኣይተ ዳንኤል ወርቁ ብወገኖም፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ሽግር ቃላት ልዕሊ ዝገልፅዎ ከም ዝኾነ ብምሕባር፣ እቲ ብልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ዝተዓደገ ናውቲ ትምህርቲ ንሰለስተ ሽሕ ተምሃሮ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ላጪ መቐለ ንሕድሕዶም 1 ሽሕን 5 ሚእትን ቅርሺ ዋግኡ ከም ዝኾነን ብቐፃሊ ድማ ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅልሉን ኣረጋጊፆም።
ኣብቲ ርኽክብ ዝተረኸቡ፣ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ እስማዒል አብደርሕማን ፈለማ ነቲ ዓለምለኻዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ፣ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ከም ዝርከብ ብምርዳእ ህፃዉንቲ ትግራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይተርፉ ንዝገበርክምዎ ሓገዝ ብስም ህዝቢ ትግራይን ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን አመስግን ድሕሪ ምባል፣ ነቲ ሰናይ ተግባር ካልኦት እውን ክስዕብዎ ከም ዝግባእ ኣብቲ ኣጋጣሚ ፀዊዖም።
ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ መምህር ሓዱሽ መሓሪ ብግደኦም፣እዚ ገባሪ ሰናይ እዙይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ንተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ላጪ ሓገዝ ፀባ ከም ዝገበረ ብምዝኽኻር፣ ሕዚ ንዝገበርዎ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ እውን ብምምስጋን፣እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ኣተሓሳሲቦም።
08 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons