ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ዓርቢ ነበርቲ ዳክስንቪል ፍሎሪዳ ዝኾኑ ኣይተ ዘውድነህ ግርማን በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ መዓዛ ጌታቸውን ቤት ትምህርቲ ብምህናፅ መዘከርታነቱ ንጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ይኹነልና ብምባል 23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ንህዝቢ ኣረኪቦም።
 
እቲ ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ዓርቢ መዘከርታነቱ ንጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ይኹነልና ብምባል ብግዱሳት ወገናት ተሃኒፁ ንህዝቢ ተረኪቡ ዘሎ ቤት ትምህቲ ሰለስተ መምሃሪ ክፍሊ ምስ ሙሉእ ወንበሩ፣ክልተ ቤት ፅሕፈት ምስ ወንበሩን ጠረጴዝኡን ከምኡውን ክልተ ናይ ደቂ ኣነስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ቤት መናፅሂ ወይ ሽቓቕ እዩ።
ኣብቲ እዋን ዝተረኸቡ ኣማሓደርቲ እቲ ጣብያን ነበርቲ ህዝቢ እቲ ጣብያን “እዞም ግዱስ ተወላዲ እዚኦም አብ ሕሉፍ ናይ ልምዓት ስራሕትና ካብ ጎንና ተፈሊዮም አይፈልጡን።ሕዚ እውን ነቲ ኣብ ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ዝበፅሐ ዕንወት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብያተ ትምህርቲ ንምቅላል፣ አብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ብትልሞም መሰረት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ወፃኢ ብምግባር ሃኒፆም ንህዝቢ ምርካቦም ሕቡናት ኢና፤ ይብሉ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ንዝገበሩልና ሓገዝ ዘለና ልዑል ናእዳን ክብርን እናገለፅና አጠናኪሮም ክቕፅሉሉ ንላቦ ክብሉ ገሊፆም።
 
መተሓባበሪ እቲ ህንፃ ኣይተ መርከብ ግርማይ ብወገኖም ከም ዝበልዎ፣ ንሕና ሓንቲ አዶን ሓንቲ ዓድን ኣላትና ! እታ ዓዲ ድማ ትግራይ እያ ስለዚ ትግራይ ትሓተና ኩሉ እናገበርና ሓገዝና ገና ክቕፅል እዩ። ካልኦት ግዱሳት እውን ማእገርና ክኾኑ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ አሕፈሮም ኣይተ ሓየሎም ገብረፃድቃን ብግደኦም፣ህዝቢ ዓዲ አሕፈሮም ናይ ርሑቕ ይኹን ናይ ቀረባ ጅግንነቱ ብቃላት ዝግለፅ አይኮነን ፡፡ አብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ንምእማኑ ዘፀግም መቃለሲ ኣዳራሽ ዝሰርሐ፣ተወዲቡ ዝቃለስን ዘቃልስን፣ ንመድፍዕን ጥይትን ብእምኒ መኪቱ ዝዕወት በዓል ልዑል ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ እዩ፡፡
እዚ ናይ ቃልሲ መሰረት ጌርኩም ግዱስ ኣሕዋት ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሕውየት ትግራይ ብሽም ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ኣሰርና ከነንብር ኢልኩም ብምምፃእን ዕንወት ትግራይ ዕንወትና እዩ ኢልኩም ብምሕሳብ ሃኒፅኩም ዘረከብኩምና ቤት ትምህርቲ ገንዘብ ስለ ዝበዝሐኩም ዘይኮነስ ጉድኣት ህዝብኹምን ዓድኹምን ብፍሉይ ስለ ዝተሰመዐኩምን እዩ። ስለዚ ንዝገበርኩሙልና ናይ ዳግም ሕውየት ሓገዝ ብሽመይን ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ አሕፈሮም እናመስገንኩ ካልኦት ተወለድትን ፈተውትን እውን ኣሰርኩም ክስዕቡ በዚ ኣጋጣሚ ይፅውዕ ኢሎም፤ብምባል ዝፀብፀበልና ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ኣሕፈሮም እዩ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
24 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons