ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ኬንያን ከምዝመፁ ተሓቢሩ።
 
ከም ገለፃ ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብምምፃእ ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ መሓዙትን ክዝትዩ እዮም።
እቶም ኣምባሳደር ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ፃንሒት ከምዝህልዎም ዝተሓበረ እንትኸውን ኣብ ፃንሒቶም ድማ ተግባራውነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ጉዳይ ተሓታትነትን ምርግጋፅ ፍትሕን ጠመተ ሂቦም ከምዝዝትዩ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ብዛዕባ ዘሎ ቕልውላውን እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ይሳለጡ ዘለዉ ዞባውን ዓለምለኻውን ፃዕርታትን ኣመልኪቶም ክዝትዩ ከምዝኾኑ ድወት ሓቢሩ ኣሎ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons