ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምኽታት ይሰርሕ ከም ዘሎ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ምጅማር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፤ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምኽታት ይሰርሕ ከም ዘሎን ከይዲ ምዝገባ ተምሃሮ ድማ ካብ 25 ነሓሰ ክሳብ 12 መስከረም 2015 ዓ.ም ከምዝሳለጥ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ኣፍሊጦም።

ልዕሊ 552 ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ከምዘለዎ ዝሓበሩ ዶክተር ኪሮስ ፤ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዝነብርሉ ኩነታት ብምፍጣር ተምሃሮ ድማ ኣብ መረበቶም ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክምሃሩ ከምዝስራሕ፤ንግዚኡ ግና ኣብ ዘለውዎ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝምሃሩ ወሲኾም ኣፍሊጦም።

ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር 2016 ዓ.ም ብፅሬት ትምህርቲ ካብ ዝሓለፈ ብዝዛየደ ዝተመሓየሸ ንክካየድ ከም ዝስራሕ ዝሓበሩ ዶክተር ኪሮስ፤እዙይ ንምትግባር ድማ ብርክት ዝበሉ ኣመራርሓ መምህራን ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ይውሃብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ምስዚ ብተዛማዲ ኣብ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝረእ ዘሎ ወሰኽ ክፍሊት ትምህርቲ ስርዓት ክሕዝ መምርሒ ወፂዎ ከምዘሎን ወሰኽ ኣብ ዘርእያ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ዘየላጢ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ዕውት ንክኾውን ንጡፍ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንክህልው ፀዊዖም።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
22 ነሓሰ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons