በዓል ኣሸንዳ ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ሰዋኪን ብድምቀት ተባዒሉ።
 
ብምትሕብባር ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ጨንፈር ሰዋኪን፣ ካብ ወፃእ ናብ ሱዳን ሸቀጥ ዝኣትወላ ናይ ወደብ ከተማ ዝኾነት ከተማ ሰዋኪን “በዓል ኣሸንዳ ንሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ካብ ከተማ ፖርት ሱዳን ዝመፁ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ ዝተረኸብሉ ብክብ ዝበለ ኣገባብ ከምዝተብዓለ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ፀብፂቡ ኣሎ።
ተሳተፍቲ እቲ በዓል ዝኾና ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ሰዋኪን ባህልናን መግለፂ መንነትና ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ እንትነኽብር ንመፃኢ ወለዶ ትግራይ ኣብ ምትሕልላፍ ብዕቱብ ክስርሐሉ ይግባእ ኢለን።
 
ብመሰረት ዉዕሊ ፕሪቶርያ ጉዳይ ተሓታትነትን ምምላስ ስደተኛታትን ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍፀምን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፀቕጢ ከሕድርን እዉን ፃዉዒት ከምዝቐረበ ተሓቢሩ ኣሎ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
22 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 

 

 

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons