ኣብ ሸውዓተ ሕጉም ቤት ትምህርቲ ክህነፅ እዩ

ንመቐይሮ ፖለቲካዊ ህላወ ደቂ ትግራይ ዘበረኸትን ልዑል ወተሃደራዊ ዓወት ደቂ ትግራይ ኣብ ዝተሓፈሰላን ሸውዓተ ሕጉም ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ምቅማጡ ኤፍ ኤም መቐለ ፀብፂቡ ኣሎ።

እምነ ኩርናዕ ዝተቐመጠሉ ቤት ትምህርቲ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (UNOPS) ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን ከምዝህነፅ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ነቲ እምነ ሰረት ላዕለዋይ መሪሒነት መንግስቲ ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወትን ተወካሊ ትካል ዮኤን ኦፕስ ኣይተ ሚኬአለ ሓዱሽን ዘንበሩ ኮይኖም ህንፀት እዞም ትካላት ክቀላጠፍ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ከምዝሓበሩ ተገሊፁ ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
18 ነሓሰ 2015
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons