“ህዝብታት ትግራይን ኦሮሞን ብሓባር ንቃለሰሉ መድረኽ በፂሕና” ተወከልቲ ክልል ኦሮምያ

ህዝብታት ትግራይን ኦሮሞን ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ኣብ በዓል ኣሸንዳ ዝተረኸቡ ኣባ ገዳታትን ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ 10 ሚሊየን ብር ብምብርካት፣ ኣብቲ ኣብ ባሎኒ ስታድየም መቐለ ብድምቀት ዝተኸበረ በዓል ኣሸንዳ_ማርያ_ዓይኒ ዋሪ ዝተረኸቡ እቶም ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ኣባገዳን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ በዓል ኣሸንዳ ብህዝቢ ትግራይ ልዑል ክብሪ ስለዝወሃቦ ነዚ በዓል ክብሪ ሂብና ከም በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ቆፂርና ህዝቢ ኦሮሞ ወኪልና ምሳኹም ንምብዓል ኣብዚ ምርካብና ልዑል ፍናን ተሰሚዑና ኣሎ ኢሎም።

ኣሸንዳ ተምሳሌት ሰላም እዩ ዝበሉ እዞም ኣባገዳ፣ ህዝቢ ኦሮምያን ትግራይን ንሓድነት ዘይደራደሩ ምዃኖምን ኣብ ዝሓለፉ ፈተንቲ እዋናት እውን ተኸኣኢሎምን ተኸባቢሮምን ከምዝነብሩ ዘብርሁ እቶም ተወከልቲ ክልል ኦሮምያ፣ንቐፃሊ እውን እዚ ሓድነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ብምሕባር ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ 10 ሚሊዮን ብር ኣበርኪቶም ኣለዉ ።

ኣብ መወዳእታ ህዝብታት ትግራይን ኦሮምያን ንናፅነት፣ ሰላም ማዕርነታዊ ሓድነትን ዘመናት ዘቑፀረ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ዘለዎምን ብቃልሲ ዝተኣሳሰረ ዝምድና ዝወነኑ ህዝብታት እዮም ዝበሉ እቶም ተወከልቲ ህዝብን መንግስትል ኦሮምያ፣ ኣብዚ ተምሳሌት፣ ናፅነት ማዕርነትን ሰላምን ርክባት ንምሕዳስ ዝያዳ ኣብ ንሰጣጠመሉ ንቕድሚት ዘጋጥሙና ሓባራዊ ማሕልኻታት ብሓባራዊ ቃልስና ንምስጋር ቃልና እነሐድሰሉ መድረኽ እዩ ክብሉ ብታሕጓስ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
17 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons