በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ዝተውሃበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ፣ ግፍዒ፣ በደልን ክሕደትን ብፅንዓት መክትክን፣ ተቓልስክንን ኣቃልስክንን ነዚ መግለፂ ክብርኽንን መንነትክን ዝኾነ ክቡር በዓል እንኳዕ ኣብፅሓክን ክንብል ንፈቱ።

ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ምልክት ነፃነት፣ ተምሳሌት ማዕርነት፣ ሕብረትን ሓድነትን ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ ክብርታትን ሕላገትን ትግራይ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ኣብ ምኻድ ናይ ባዕሉ እጃም እናተዋፅአ መፂኡን ኣሎን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ኣብ ልዕሊ ህልውናና ብዝተኣወጀ ኩናት ምኽንያት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከምዚኦም ዝበለሉ በዓላትን ሓጎስን ደስታን ክተኽብራን ክተብዕላንስ ይትረፍ መሬት ብብርሃና ፀልሚታትን፣ ደጊምካ ክተዘንትዎም ኣመና ዝኸብዱ ግፍዕታት ክበፅሐክን ተገይሩ እዩ። ሳላ ፀኒዕኽን ዝተቓለስክንም ዘቃለስክን ግን እንተውሓደ ነዚ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ንምብፃሕ መተካእታ ዘይብሉ ዕማም ፈፂምክን ኢኺን፤ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ እውን ብኣኽን ሕቡናት እዮም።

እዚ በዓል እንትነኽብርን እንትንዝክርን ንመስሪሕ ሰላም ብምጥንኻር ሕቶታትን ድልየታትን ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓት ከም እትቃለሳ እምነትና ልዑል እዩ። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ተመዛበልቲ ወገናትና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ናብራ ኣብ ዝርከብሉ፣ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝርከብ ህዝብና ሕዚ እውን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት እናተፈፀመሉ፣ ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝብና ድማ ብሓለምጊ ጥምየት እናተገረፈ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነዚ ከቢድ ኩነታት ተፃዊርክን በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን እንትተኽብራ መንፈሳዊ ጥንካረኽን ክንደየናይ ሓያልን ልዑልን ከምዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕቶታትና ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ህልኽካ ዘወድእ ቃልሲ እናካየደ እንትኾን ሕዚ እውን ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረቤቶም ንክምለሱ፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ጠቒሊሎም ንክወፅኡ፣ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክጅመር፣ ገበነኛታት ብሕጊ ንክሕተቱ ንምግባር ዘይተሓለለ ቃልሲ ከምዝገብር በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ።

ርሑስ በዓል ኣሸንዳ!!
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
15 ነሓሰ 2015ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons