“ውግእ ክነትርፍ ተዳሊና ኢና፣ ናብ ውግእ እንተኣቲና እውን ክንስዕር ተዳሊና ኢና፡፡ ትግራይ መዐንደሪ መድሐርሐርቲ ኣይትኸውንን፡፡” ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቶም 23 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዘይሕጋውን ኣሃዳውን መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ህዝቢ ትግራይ ንምውቃዕ ይዳሎ ኣሎ፡፡ እዚ ከዓ ናይ ክሕደት ክሕደት እዩ፡፡ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ግን ኣብ ትግራይ ውሑስ ሰላም፣ ልምዓት፣ ምዕሩይ ምሕደራን ንምፍጣር እዩ ድሌቱ፡፡ ውግእ ኣይንደልን፣ ናብ ውግእ እንተአእትዮምና ግና ክንምክት እና፡፡ ውግእ ክነትርፍ ተዳሊና ኢና፣ ናብ ውግእ እንተኣቲና እውን ክንስዕር ተዳሊና ኢና፡፡ ትግራይ መዐንደሪ መድሐርሐርቲ ኣይትኸውንን ኢሎም፡፡

ሕዚ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋውን ኣሃዳውን መንግስቲ ናብ ሓይሊ ይኸይድ እኳ እንተሃለወ ብሓይሊ ዝፍታሕ ነገር ግና የለን፡፡ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተ እዩ ዝፍታሕ፡፡
ኢሳያስ ንትግራይ ክወቅዕ ምስ ኣሃዳውያዊን ሓይልታት ተሰሊፉ እዩ፡፡ ንሕና ምስ ኤርትራውያን ናብ ውግእ ክንኣቱ ኣይንደልን፣ ዝፀንሐ ፀገም ከይፍታሕ ዝገብሩ ዘለው ክልቲኦም መራሕቲ ስለዝኾኑ ክልቲኦም ክሳብ ክንድኡ ዝፋተው እንተኾይኖም እቲ ፀገም ክፈትሕዎ እናተገበአ ህዝቢ ትግራይ ንምጥቃዕ ከም ሓደ መፃወቲ ካርዲ እናተጠቐምሉ እዮም፡፡ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ግና ሰላም ክፍጠር ንኹሉ ኣካል እናፍለጠ እዩ፡፡

ዕላማ እቲ ዘይሕጋውን ኣሃዳውን መንግስቲ ካብ ዝጣየሽ ኣትሒዙ ንትግራይ ምድኻም ስለዝኾነ እቲ መኸተ ክጥንክር ኣለዎ፡፡ ናብ ውግእ ጎቲቶም እናእተውና እዮም፡፡ ንሕና ድማ መሰል ህዝቢ ትግራይ ኣይርገፅን ኢልና ክንገጥም ተዳሊና ኢና፡፡ እዚ ውግእ ናይ ኩሉ ህዝቢ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ህዝባዊ ኲናት ኢና ንብሎ፡፡ ኩሉ ብዓቕሙ ክምክት እዩ፤ ስለዚ ፍትሓዊ ኲናት እዩ፡፡ ፍትሓዊ ኲናት ስለ ዝኾነ ድማ ክንስዕሮም ኢና፡፡

ትግራዋይ ንመድሐርሐርቲ እናቐበሮም ከምዝመፀ ሕዚ እውን ክቐብሮም እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ዝተገመተን ዘይተገመተን ዓይነት ፀገም ንምምካት ተዳሊዩ ከምዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ገሊፆም፡፡
ብኻሊእ መዳይ ወታደራውን ፀጥታውን ጉዳይ ዝምልከት ካብ መንግስቲ ወፃኢ ብፌስቡክ ይኹን ብዝኾነ ካሊእ ኣካል ክግለፅ የብሉን፡፡ ዘየድሊ ዘረባ ኣየድልን፡፡ ናይ ፀጥታ ስራሕ ከም ካሊእ ዘይኮነስ ጥንቃቐ ስለ ዘድልዮ ንመንግስቲ ጥራሕ ክንገድፎ ይግበኣና ኢሎም፡፡

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ፌድራል ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መደራጉሕ ቅፅዓት ኣውሪዱ እዩ፡፡ ህዝቢ ብጥምየት ክመውት ምክልኻል ኣንበጣ ዕውት ከይኸውንን ሓገዝ ምግቢ ውሕስና ብፍሉይ ንትግራይ ከይውሃብን ሰሪሑ እዩ፡፡ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ዝውዕል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ንትግራይ ብምኽልካል ኣብ ልዕሊ ህፃናት ወሲኑ፡፡ ዋላ እኳ ዳሓር ንባዕልቶም ክብሉ ይምለስዎ እምበር ስፖርተኛታት ትግራይ ኣብ ሰፖርት ከይሳተፉ ተሰሪሑ እዩ፡፡ ፌደራላዊ ስርዓት ብምፍራስ በጀት ናብ ወረዳን ጣብያን ክከፋፈል እዩ፤ብምባል ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ስለዘኽበረ ቀጥቂጥካን ኣጥሚኻን ንምምብርካኽ ኩሉ መሳርሕታት መንግስቲ ይጥቀም ከምዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ተዛሪቦም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ሕድሪ ሰማእታት እንተየዕበረ ሕገመንግስቲ ኣኽቢሩ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ዘረጋግፀሉ መረፃ ኣካይዱ መንግስቱ ኣጣይሹ እዩ፡፡ መረፃ ውሳነ ህዝቢ እዩ፡፡ ህዝቢ እንተወሲኑ ከዓ ዓንቀፅ ጠቒስካ ኣይኽልከልን ኢሎም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
23 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons