ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጎና ጎኒ ምክልኻኻል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምዕፃድን ምእካብን ዝባፅሑ ዝራእቲ ፅጉማት ኣረጋውያን ሓረስቶት ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣፍሊጡ ፡፡
ኣብቲ ወፍሪ ዝተረኸቡ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣይተ ዘርኣይ ሓጎስ ከም ዝሓበርዎ፣ ነቶም ኣብ ጎኒ ሓርስታይ ኮይኖም ካብ ምምካት ዕስለ ኣንበጣ ክሳብ ምዕፃድን ምእካብን ዘራእቲ ንዝገበርዎ ዘለዉ ደገፍ ኣመስጊኖም። ዝራእቲ ሓረስታይ ብሙሉእነት ክሳብ ዝእከብ ካልኦት ኣካላት ነቲ ተሞኩሮ ብምውሳድ ተመሳሳላይ ሓገዝ ብምግባር ዕዙዝ ተርኦም ንክፃወቱ ፀዊዖም ፡፡
ኣብቲ ዕለት ደገፍ ዝተገበረሎም ኣረጋውያን ብወገኖም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ፅጉማት ንምሕጋዝ ዝግብርዎም ዘለዉ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ሓድነት ተጋሩ ዝያዳ ዘጠናኽር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ፡፡
ወራር ዕስለ ኣምበጣ ብተደጋጋሚ እናተኸሰተ ሓረስታይ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ጉልበቱ፣ ገንዘቡን ሓሳቡን ኣብ ልዕሊ ዘፍሰሰሉ ዝራእቲ ዓብይ ኪሳራ እንዳብፅሐ ስግኣት እናፈጠረ ይርከብ ፡፡ ነዚ ስግኣት ንምቕናስ ሎሚ 20 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያታት ዋልካ ፣ ድሕሪ ቤትን ዝባን ድንጉርን ኣብታ ወረዳ ዝርከቡ መከላኸልያ ሰራዊት ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ መናእሰይ እታ ወረዳ ኣካላት ፀጥታን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ወፍሪ ዓፂድ ዘሳለጡ ኮይኖም ማሕበር ተራድኦ ኣሉላ ድማ ኣብቲ ዓፂድ ንዝተሳተፉ ኣካላት 250 ዕሽግ ማይ ከምዘበርከቱ ተሓቢሩ።

 
 

 

 
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
20 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም
 
 
 
 

 

 

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons