ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ
________________________________________________
 
መንፈር ንዘለዎ ፣የሻል ዘበለ፣ መንፈር ዘይብሉ ህዝብና ሒዝና፣ መስተንክር ክንሰርሕ ኢና!!
መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ፣ኣብ መበል 8ይ ጉባኤ ህወሓት፣ንሓዱሽ ወለዶ ትግራይና ዝስዕብ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ፡ “ገዲም ህወሓት ናይቲ ሕሉፍ ወለዶ ከይኮነስ ናይቲ ሓዱሽ ወለዶ እያ፡፡ እቲ ህዝባዊ መስመር ትቕበልዎ ዶ? ኣይትቕበልዎን ኣይኮነን፣ እቲ ሕቶ?! ሕድሪ ስውኣት ወለድኹም ፣ኣሓትኩምን፣ ኣሕዋትኩምን ስለዘለኹም፣ ኣብ ተቐቢልካ ምትኽኻእ ሕቶን ሪኢቶን የብሉን፡፡ ግድን ክትቕበልዎ ኢኹም፡፡ እቲ ጉዳይ እቲ ሕሉፍ ወለዶ ካብ ዘመዝገቦ ድሙቕ ታሪኽ ዝሓሸ ስራሕ ሰሪሕኹም፣ ናይ ባዕልኹም ሓዱሽ ተደማሪ ቕያ ትሰርሕዎ ዝብል እዩ ብተግባር ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ፡፡ ብእምነተይ ዝበለፀ መስተንክር ከምእትሰርሑ፣ ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡” ክብል ቁም ነገርን ትሕዝቶን፣ ምትኽኻእን ቅብብልን ጉዕዞ ማራቶን ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ገሊፅዎ ነይሩ፡፡

ቀንዲ ትሕዝቶ ኣበሃህላ፣ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ፣ ኣፅኒዑ ሒዙ ዘሎ ተካኣይ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይና፣ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝዕንድር ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ ጎይትኡ መራሒ ሻዕብያ ዝኣለሞም ሽርሒታት፣ ብቼክሊስት ሒዙን ምስ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ ግንባር ፈጢሩን ፣ህዝቢ ትግራይ ሎሚ ረኸብክዎ ኢሉ፣ ናይ መወዳእታ ኣረመንያዊ ጥፍኣት ንምፍፃም ብዘይ ዕረፍቲ የማን ፀጋም ሕርጊድ ይብል ኣሎ፡፡ እንተኾነ ህዝብና ነዚ እከይ ምንቅስቓስ ፣ኣለልዩን ተረዲኡን ፣ኣበን!! ኣይንምብርከኽን! ብምባል ብንቕሓትን መዘና ብዘይብሉ ትብዓትን ፣ንኹሉ ውዲታት የፍሽሎ ኣሎ፡፡
 
ብሓፈሻ ኣብ ታሪኹ፣ ሰብ ስራሕቲ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ፀገማት፣ ከየሰኮንዎን ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ፈንፂሑ ናይ ምውፃእ ባህልን ክብርታትን፣ ብቓልሱን ፃዕሩን ዘጥረየ ህዝቢ ትግራይ፣ ሎሚ እውን ከም ትማሊ፣ ኣብ ባዕሉን ባዕሉን ጥራሕ ተኣማሚኑ፣ ምስ ባዕሉ መሪፁ፣ ዘጣየሾ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ማይን ፀባን ኮይኑን፣ እቲ መሪሕነት ፣ዝህቦ ኣመራርሓ፣ ብእምነት ተቐቢሉ፣ ዝበለፀ ወነን ህልኽን ሰኒቑ፣ ተዓፃፃፋይ ስልትን ናህሪን ወሲኹ፣ ብሰዓት ልዕሊ 1 ሺሕ ኪ.ሜትር ዝጓዓዝ በዓል ተፈጥሮኣዊ መንፈር ዕሰለ በረኻ ኣንበጣ ፣ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘራእቲ ሓረስታይ ትግራይ ኣዕርዩ ዝኸፍአ ከቢድ ጉድኣት ከየብፀሐ፣ መንፈር፣ ዘይብሉ፣ ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይና፣ ኩሉ ዓቕምታቱ፣ ወዲቡ ባዕሉ መንፈር ፈጢሩ፣ ደኺሙኒ ሰልክይኒ፣ጠምዩኒ፣ፀሚኡኒ ከይበለ ብዘይ ዕረፍቲ የማን ፀጋም ተጓዒዙ፣ እቲ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ፣ ኣብ ዝኣተዎ ሽንጥሮን ፣ጎቦን፣ ኮታስ ኣብ ዝዓረፎ ቦታ እግሪ እግሩ እናሰዓበ ክበታተን ይግብሮ ኣሎ፡፡ እዚ ዘይተሓለለ ናይ ሞትን ሕየትን ተጋድሎ ፣ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ብሓፈሻ ንህዝብና ብፍላይ ሕድሪ ስውኣት ኣፅኒዑ ንዝተከኣ መንእሰይ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይና፣ “ሓዱሽ ወለዶና መንፈር ዶ ኣለካ እዩ…!! ኣሻብ ከይድካ ኢኻ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ትድኮዖ”!! ከምኡ እውን መንፀጊ ኬሚካል መሳርሒ፣ ብናይ ባዕልኹም ፈጠራ ንዝሰራሕኽም ኢንጂነራትን ሰብ ሞያን፣ መስፍን ኢንጂነሪንግ ኢንዳስትሪያል ካምፓኒ፣ ውፅኢት ስራሕኹም እቲ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ፣ ኣብ ዝዓረፎ ዘፍ ክብል ስለ ዝሓገዘ ህዝብን መንግስቲን ትግራይ ዘለዎም ናእዳ እንትገልፁ፣ ዝተሰመዖም ሓበን ክብርን ዝለዓለ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ጎና ጎኒ መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ፣ህዝብናን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም የሳልጥዎ ዘለው ወፍሪ ዓፂድ እውን ተጠናኺሩ ብምቕፃሉ ዛጊድ ማለት ክሳብ 19 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ካብቲ ክዕፀድ ዝግበኦ ልዕሊ 30 % /ሳላሳ ሚኢታዊ/ ተዓፂዱ ኣሎ፡፡እዚ ቅዱስ ተግባር ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅልሉ ድማ ተስፋ ይግበር፡፡
 
በዚ ኣጋጣሚ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ዘለኹም ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት መከላኸሊ ሃገርና ዓቕምኹም ኣዋዲድኩም ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ምምካትን ኣብ ወፍሪ ዓፂድ እትገብርዎ ዘለኹም ርብርብ ህዝብና ብተግባርኩም ተሓቢኑ እዩ፡፡ እኽሊ ክሳብ ናብ ቖፍኡ ዝኣትው ድማ ሓገዝኩም ክትቕፅልሉ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዘለኹም ኤርትራውያ፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጥቕዓት ትግራይ፣ ጥቕዓትና እዩ ኢልኩም፣ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲ ትግራይ ጎኒ ተሰሊፍኩም ትግብርዎ ዘለኹም ሞራላዊ ፣ገንዘባዊ ፣ዲፕሎማስያዊ ቃልስን ዘሐብን ጥራሕ ከይኮነስ ንቐርኒ ኣፍሪካ ዓውዲ ህውከት፣ ዕግርግርን ፣ደም ምፍሳስ ንምግባር ለይትን ቀትሪን ዝሰርሕ ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን፣ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጭፍራ ጥፍኣትን ዝፈሓስዎም መናውራታትን ዘፍሽል ዘሎ ዓብዪ ተግባር ብምዃኑ ኣጠናኺርኩም ከምእትቕፅልሉ ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡
 
እንተኾነ ሕዚ እውን ኣረመንያዊ፣ ዘይሕጋዊ ኣሃዳዊ ውልቀ ጉጅለን መራሒ ጭፍራ ሻዕብያ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፣ ህዝቢ ትግራይ ብወታደራዊ ሓይሊ ንምንብርካኽ ላሕ ይብሉ ኣለው፡፡ ስለዙይ እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ዝገብሮ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ፣ ሕድሕድ ወዲ ትግራይ፣ ብፍላይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ቆቛሕ ኮይኖም ክሕልው ይግባእ፡፡ ኣይከኣልን እንበር፣ ንትግራይና ሽሕ ግዜ ክስዋእ እየ ኢልካ ሃሩር፣ ቁርን፣ ማይ ፃምእ ከይሓርበተካ ፈቐዶ በረኻን ጎቦን ዓሪድካ ዘለኻ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ፣ኩሎም ሽርሕታት ፀላኢ ከም እተፈሽሎ ድማ ህዝብን መንግስትን ይተኣማመኑ እዮም፡፡
 
ብድማር መኸተ ወራር ኣንበጣ ሓዊስካ፣ ኣብ ኩሉ ዓውደ ግንባራት መኸተ፣ ግቡእ ኣመራርሓ ይህብ ዘሎን ኣብ ወሳናይ ቦታን እዋንን ዘየማትእ ውሳነ ወሲኑ ናብ ተግባር ዘሽርፍ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ዘይሕጋዊ ኣሃዳዊ ውልቀ ጉጅለ ፣ብፖለቲካዊ ቃልሲ ጥራሕ ዝባኑ ክወፅእን ማሕበረሰብ ዓለም ክፍንፍን ዝገብሮ ዘይተሓለለ ቃልሲ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ ፣ትካል ሕርሻ ምግቢ ዓለም (FAO)፣ ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ትግራይ ተሰሊፉ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ ንምምካት እጃሙ ንምውፋይ ኣድላይ ሓገዝ ከም ዝገብር ብዕሊ ብምግላፅ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እዚ ውፅኢት ቃልሲ ውሕሉል ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ንፈተውትና ዘሐብን ንኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለን ጎይትኡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ድማ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ክሳራ ክጉምጎም ዝገብር ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡
 
ብሓፂሩ ኣብዛ ቑርፂ እዋን እዚኣ ባህሊ ዕቋርን ምሕያል ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ዝፈረዩ ፍርያት ተጠቒምካ ሓዱሽ ኣመጋግባን ኣላብሳን ምልማድ ማለት “ምህርቲ ዓዲ ብደቂ ዓዲ” ዝብል መሪሕ ቃል ጨቢጥና ተግባራዊ ምግባር ጥራሕ እያ ትግራይና ዓርሳ ኪኢላ ካብ ዝኾነ ፅግዕተኝነት ሓራ ምውፃእ ዝከኣል፡፡
 
ኣብ መወዳእታ ሕዚ ክሳብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተዘርጊሑ ዘሎ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ፣ ናይ ሎሚ ዓመት ኣዝመራ ዘራኣቲ ትግራይና 43% (ኣርባዓን ሰለስተንሚኢታዊ) ሒዙ ዘሎ ፣ ምዕራብ ትግራይ ከይኣትው፣ ከቢድ ርብርብ ይሓትት፡፡ ስለዝኾነ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ ሓመድ ድበ ንምኽዳን ናይ መወዳእታ ዕርድና ኣብ ዝኾነ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዓቕምና ፀንቂቕና ክንረባረብ ይግባእ፡፡ ብድማር ብዝበለፁ ኣካላዊ ፣ስነ -ኣእምራዊ ፣ስነ-ልበናዊን ምድላዋት ገይርና መንፈር ንዘለዎ የሻል ዘበለ፣ መንፈር ዘይብሉ ህዝብና፣ ሒዝና ኮቪድ-19፣ኩሉ ዓይነት ሽርሒታት ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለን፣ መራሒ ሻዕብያ ፣ብምፍሻል መልሓሶም ክሓይኹ ብምግባርን፣ከምኡ እውን ክሳብ ቀፃሊ ወርሒ መጋቢት 2013 ዓ/ም ክቕፅል እዩ ዝበሃል ዘሎ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ ዕልምላሙ ክጠፍእ ገይርና መስተንክር ከም እንሰርሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፃት እውን ኣይጠራጠርን፡፡
 
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ
መቐለ
20 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons