Message from president of the national regional state of Tigray, dr. Debretsion g.mikael,based on the existing situation of the country, to all international community,

October 26/2020

መንግስቲ ትግራይ ሕዚ ኣብ ሃገር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ዝተፈጠረ ቅልውላው ኣመልኪቱ ናብ ልዕሊ 70 መራሕቲ ሃገራት ዓለም ደብዳቤ ፅሑፉ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረ ሚካኤል ንልዕሊ 70 መራሕቲ ሃገራት፡ዞባውን ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክከታተሎ ደብዳቤ ሰዲዶም።

እቲ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝተዘርገሐ ደብዳበ መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ኣብ ዝምደብ በጀት ብምኽልካል መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክቋርጽ እንተፈቲኑ ኣብ ሰላምን ሓድነትን እታ ሃገር ሓደገኛ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ደብዳቤ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዘፅቀጠ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ዘይሕገ መንግስታዊ ተግባራቱ ክደፍአሉ ኣኽኢልዎ እዩ ክብል ይነቅፍ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅግዕተኛ ሓይሊ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ቅልውላው ክእቱ ዝኽእልን እቲ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ዋዒ ብሽም ንዓይ ስምዑኒን ብሽም ለውጥን ንመላእ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታት ኢትጵያን ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘእተዉ ምኳኑን ነዚ ድማ ካብ 25 መስከረም 2013 ዓ/ም ስልጣኑ ዘብቅዐን ምስ ህዝቢ ናብ ኵናት ክኣቱን ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ሃገር እውን ሓደጋ የውርድን ኣሎ ኢሉ።

ቢሮርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons