ሰሙናዊ መልእኽቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
=======================================
ወይከ ፈተኽ !! ከም ዋዕሮና ለተሰንበት ግደይ ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና !!

ፍርያት ማህፀን ትግራይና፣ዋዕሮ ጓል 22 ዓመት ፣ጅግና ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፣ 27 መስከረም 2013 ዓ/ም ምሸት ንምሸቱ፣ ኣብ ሃገረ ስፔን ከተማ ቫለንሽያ፣ብፃዕራ ሓዱሽ ሪከርድ ብምምዝጋብ ዓለም ዘስደመመ ድሙቕ ታሪኽ ፅሒፋ ኣላ፡፡ዕንቊ ትግራይና ጅግና ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ብጅግና ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ ሪከርድ 5 ሺሕ ሜትሮ ፣ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዘጋጠማ ማሕለኻታትን ዕንቅፋታትን በታቲኻ፣ ኒሕን ወነን ሰኒቓ፣ ብናይ ባዕላ ብልሓትን ጥበብን፣ንዓመታት ዝዘለቐ ሪከርድ ዶዃዕዃዕ ኣቢላን ብልዕሊ (5) ሴኮንድ ኣማሓይሻን ንግስቲ ኣትሌቲክስ ዓለም 5 ሽሕ ሜትሮ ኾይና ኣላ፡፡

እዚ መስተንክራዊ ፍፃመ፣ ዋዕሮ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፣ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ፣ኣብ ሕሉፍ ጉዕዞ 46 ዓመታት ቃልስናን ድርብርብ ዓወታትን፣እቲ ማጀት ይኹን ኣደባባይ ናይ ባዕለን ምዃኑ ዘረጋግፅኦ ሓቂ ፣ብሓዱሽ ወነነ መንፈስን ደጊሙ ዘመስከረ ጅግንነት፣ኣብዚ ንኡስ መድረኽ ኣጋጢሞምና ዘለው ተፃብኦታት መኪትና ዳግም ኣብ ኩሎም ዓውደ ግንባራት ብዓወት መሰስ ንምባል ሓባሪ ስንቅና ኮይኑ ኽልተ ስጉሚ ንቕድሚት ንኽንምርሽ ተወሳኺ መንጠሪ ዓቕምና ገይርና ከም እንጥቀመሉ ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡

ኣብዚ ሰሙን እዙይ ዋዕሮና ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ዓወት ኣብ ዘድረረትና እዋን፣ ኣብ ደቡባውን፣ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይና፣ ዝነብር ህዝብናን ሓይልታት ፀጥታናን ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራት ኢድ ንኢድ ተታሒዞም ፣ደኺሙና ፣ሰልኪዩና ከይበሉ ዕሰለ በረኻ ኣንበጣ ዕልምልሙ ንኽጠፍእ ይረባረቡ ኣለው፡፡ ኣብ ካሊእ ከባቢታት ትግራይናን ወፃኢ ዓዲታት ዘሎ ህዝብና እውን ናይ ማተርያል ፣ገንዘብን ሞራልን ሓገዝ ይገብር ኣሎ፡፡ ብምዃኑ ረብሪብና ዝብል ቃል ዘየስምዑ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲን ነጋዶ ትግራይናን ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ንዝተፋላለዩ መንፀጊ ከሚካላት መግዝኢ ዝውዕል ገንዘብ ምውፋይ ጀሚሮም ኣለው፡፡እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ወፈያ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን እውን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይተኣማመን፡፡ ዋሕስ ናይ ሎሚን ፅባሕን ትግራይና ዝኾነ መንእሰይና ድማ እቲ ኩነታት ምስ ተፈጠረ ከም ኣርቃይ ረቢቡ፣ ሕድሪ ኣያታቱ ኣሓቱን ፣ኣሕዋቱን ከየዕበረ ብጉልበቱን ብፍልጠቱን ንምሕጋዝ ምውፋይ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ነዙይ ኣብ ዓርሰ እምነት ዝተሞርከሰ ናይ ምልኣተ ህዝብና ህልኽ ዘውድእ ርብርብ ፣ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ክብርን ናእዳን እንትገልፅ፣መኸተ ኣንበጣ ሓዊስካ ኣብ ኩሎም ዓውደ ግንባራት ዝህቦ ዘሎ ኣመራርሓ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ደጊሙ ክገልፅ ይፈቱ፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፣ህዝብና ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፣ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ ንምምካት ኣብ ዝረባረበሉ እዋን ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ብመናውራ ሒዝዋ ዝፀንሐ ዘይሕጋዊ ስልጣን ፣25 መስከረም 2013 ዓ/ም ዘብቀዓ ኣራት ኪሎ ዓሪዱ ዘሎ ሽፍታ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ካብ ፌደራል፣ ንትግራይ ዝለኣኽ ዝነበረ በጀት ከልኪለ ኣለኹ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኲናት ብዕሊ ኣዊጁ ኣሎ፡፡ ቅድሚ ኩሉ ማፍያታትን ጨፍጨፍትን ተፃዋዊዖም ዝተኣኻኸብሉ፣ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ዝውስኖ ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ኣብ ትግራይ ተፈፃሚነት ከምዘይብሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈታዊን ፀላኢን ክፈልጥዎ ገይሩ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እዚ ፍረ ኣልቦ ዓበርበር ውልቀ መላኺ ክንደየናይ ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ከም ዘሎ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይኽእልን፡፡

ኣብዚ ክፍለጥ ዝግበኦ ኣብ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ካብ ፌደራል ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ዝነበረ ናይ በጀት ድጎማ ፣ህዝቢ ካብ ዝኸፍሎ ግብሪ ተሰሊሑ ዝለኣኽ ብፅሒት እምበር ትካቦ ኣይኮነን፡፡ቀደሙ እውን ህዝቢ ትግራይ ብፅሒቱ እምበር ዋላ ሓንቲ ቀያሕ ሳንቲም ብመልክዕ ርጥባን ወይ ምፅዋት ካብ ማንም ኣካል ለሚኑ ኣይፈልጥን፡፡ ስለዝኾነ ኣሽንካይ ዶ ሕጋዊን ቅቡልነትን ዘይብሉ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ስልጣን መንግስቲ ዝሕዝ ዝኾነ ኣካል እውን ብፅሒት ህዝቢ ትግራይ ናይ ም’ኽልካል ስልጣን የብሉን፡፡ይኹን ደኣ እምበር እዚ ሓላፍነት ዘይስመዖ ኣረመናዊ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ጎረሮ ህዝቢ ትግራይ ንምንፃፍ ማለት እቲ ጉጅለ ቅድም ክብል ጁባ ህዝቢ ትግራይ ከድርቖ እየ ኢሉ ዝፈከሮ፣ ዋላ ተግባራዊ እንተገበሮ ህዝቢ ትግራይ ክደናገፅ ክንብርከኽን እዩ ኢልካ፣ ብደውካ ካብ ምሕላም ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም የብሉን፡፡ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ብዙሓት ዓመታት ዝተፈላለዩ ተፈጥራኣዊን ሰብ ስራሕ ፀገማት ተፃዊሩ ሓሊፉ እዩ፡፡ብፍላይ 1977 ዓ/ም ተደጋጋሚ ወራር ወታደራት ደርግ ድርቅን መናውራን ሻዕቢያን ፣ብሓፈሻ እቲ ምድርን እቲ ሰማይን ጠሊሞም ኣብ ቀላቕል ጫፍ ምፍራስ በፂሑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን እንተኾነ ፈፂሙ ኣይተንበርከኸን፡፡ስለዙይ እዚ ናይ ሕዚ ኣረመናዊ ውሳነ ኣሃዳዊ ጉጅለ እውን ብዝበለፀ ሓድነቱ ከም ዓረ ኣጠናኺሩ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይና ክረጋገፅ ዝገብር እዩ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ የማነ ፀጋም ዝሳወሩ ዘለው ተፃብኦታት ንምምካት ዋላ ሕፍኒ ቆሎ ቆርጢሙን ፖለቲካዊ ዋዒኡ ኣሓይሉን፣ ብሄራዊ መንነቱን ኣኽቢሩ ንቕድሚት ንምምራሽ ሙሉእ ድልውነት ከም ዘለዎ ግብረ እከይ ዝፍፅም ዘሎ ጉጅለን ጎተቱን ክፈልጡ ይግባእ፡፡
ኣብ መወዳእታ፣ እዚ ንጥፍኣት ዝተኣኻኸበ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ በጀት ምኽልካል ጥራሕ ከይኮነስ ፣ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝወስድ ካብ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ምርዳእ ኣየፀግምን፡፡ ስለ ዝኾነ ሕድሕድ ትግራዋይ፣ ስነ ኣእምራዊ፣ ኣካላዊን ስነ-ልበናዊን ድልውነቱ ብምሕላው፣ዲስፖራ ትግራይ ድማ ኣንባሳደር ህዝብና ኮይንኩም ትሰርሕዎ ዝነበርኩም ዘኹርዕ ተግባር ብዝተዓፃፀፈ ኣገባብ ብምፍፃም፣ብድማር ህዝቢ ትግራይ፣ ወይከ ፈተኽ! ኢሉ ከም ዋዕሮና ለተሰንበት ግደይ ተወሳኺ ሓዱሽ ታሪኽ ከም ዘፅሕፍ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፃት እውን ኣይጠራጠርን፡፡

ሎሚ ይኹን ፅባሕ መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ:- 29 መስከረም 2013 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons