ዕለታዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ሎሚ ውን ከም ዓሚ!!
“““““““““““
ቅድሚ ኩሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ትግራይ ዓሲሉ ዘሎ በረኻ ኣንበጣ ንምምካት ብሓፈሻ ህዝብና ብቐንዱ ንህዝቢ እተን ዞባታት ፣ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓን፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ብዘይዕረፍቲ ቀትርን ለይትን ንዝገብርዎ ዘለዉ ርብርብ ዘሎዎ ክብሪ እንትገልፅ፣ ወራር ዕስለ ኣንባጣ ክሳብ ዝጠፍእ ኩለ መዳያዊ ዓቕምና ኣጣሚርና ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ከምእንገብር ብምትእምማን እዩ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ካብ የመን ኤስያን ካልኦት ከባቢታትን ተበጊሱ ናብ ትግራይና ከምዝኣትው ተረዲኡ፣ ዓቕሙ ዝፈቐደሉ ምድላዋት እናካየደ ምፅንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ተርኣየሉ ዕለት ጀሚሩ ድማ ግቡእ ትኩረት ሂቡ ኣድላይ ክትትልን ግቡእ ኣመራርሓን ይህብ ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተርኣየ ብ500 ዕፅፊ ዝዛየደን፣ ብዓይነቱውን ፍሉይ ብምዃኑ መሊእኻ ንምምካት ዝተፈለየ ፃዕሪን ብዙሕ ሃፍተገነት፣ ማተርያል፣ ገንዘብ፣ ጉልበት ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ይሓትት እዩ። ስለዝኾነ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ፣ ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ትግራይ፣ ግብረሰናይ ትካላት፣ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ሎሚውን ከም ዓሚ፣ ኩሉ ዓቕምታትና ኣዋዲድና ዕስለ ወራር ኣንበጣ ንምምካት፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃዊዒቱ እንተቕርብ ህዝብና ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ከምልማዱ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣዎንታዊ ምላሽ ከምዝህብ ብምትእምማን እዩ።

ዕስለ ወራር ኣንበጣ ሓዊስካ ኩሎም ተፃብኦታት ክንምክቶም ኢና!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፦28 መስከረም2013 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons