ምሸላ ብምምጋብ ዝርከብ ሸውዓተ ጥዕናዊ ጥቕምታት!!!
=========================
ምሸላ ኣብ ዓለም ካብ ስርናይ፣ ሩዝ፣ ምሸላ ባሕርን ስገምን ቀፂሉ ብሓይሊ ወሃብነቱ ብሓምሻይ ብርኪ ዝፍለጥ ዘርኢ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጡ መዓድናት ሓፂን ዚንክን ንጥረ ነገራትን ባይታሚን ቢ ኮምፕሌክስን የፍልፍል፡፡ ኣግሪካልቸራል ቢዝነስ ፋርምስ ካብ ዝብል ድህረ ገፅ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብ ስሩዕ ስርዓተ ምግቢ ምሸላ ሓዊስካ ምምጋብ ሸውዓተ ጥዕናዊ ጥቕምታት ኣለውዎ።
1.ዝለዓለ ትሕዝቶ ንጥረ ነገር ኣለዎ፦
ምሸላ ኣብሲሎም እንትምገቡ ካብ ሓደ ፍንጃል ወይ 192 ግራም ምሸላ ውሽጢ 22 ግራም ፕሮቲን ይርከብ፡፡ ደቂ ኣነስትዮ ኣብ መዓልቲ 46 ግራም፣ ደቂ ተባዕትዮ 56 ግራም ፕሮቲን ንኽረክቡ ይመዓድ፡፡ እዚ ማለት ምሸላ ኣብ መዓልቲ ክንረኽቦ ካብ ዝግበኣና ትሕዝቶ ፕሮቲን 43 ሚኢታዊ ይሕዝ፡፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ምሸላ ምምጋብ ኣብ መዓልቲ ውሽጢ ክረኽብዎ ዝግበኦም 47 ሚኢታዊ ናይ ሓፂን 55 ሚኢታዊ ፎስፎረስ ንጥረ ነገር ይረኽቡ፡፡ ብተወሳኺ ምሸላ ናይ ማግንዝየም፣ ኮፐር፣ ካልሽየም፣ ዚንክን ፖታሽየም ንጥረ ነገር ትሕዝቶ ዓይነት ፍልፍል እዩ፡፡ ስለዚ ምሸላ ምምጋብ 30 ሚኢታዊ ቫይታሚናት ኒያሲንን ታያሚን ኣማሊኦም ማለት እዩ፡፡
 

2.ዝለዓለ ኣንቲኦክሲዳንት ኣለዎ፦
ምሸላ ኣብ ሰውነትና ጠቓሚ ዝኾኑ ከም ኣንቲ ኦክሲዳንት (ዘየድሊ ውህደት ዝከላኸል ንጥረ ነገር) ዘገልግሉ ፓይቶኬሚካላት ዝሓዘ እዩ፡፡ ምሸላ ካብ ኢንጁሪን ተምርን ዝመሳሰሉ ፍራምረታት ዝበለፀ ኣንቲኦክሲዳንት ኣለዎ፡፡ ኣንቲኦክሲዳንት እርጋን ንምክልኻል ይሕግዝ፡፡ ብኣንቲኦክሲዳንት ዝማዕበሉ ምግብታት ምስ ልቢ ዝተተሓሓዙ ፀገማት፣ ካንሰር፣ ሕማማት ሽኮርን ምስ መትንታት ዝተተሓሓዙ ከምዝቕንስ ይሕብር፡፡ በዚ መሰረት ከም ኣብ ምሸላ ዝርከቡ ኣንቲኦክሲዳንት ዝጠቕሙ ፓይቶኬሚካላት ከም ምኽንታት ይጥቀሱ፡፡ ኣብ ደም ውሽጢ ዝርከብ መጠን ኮሎስትሮልን ከምዝቕንስን ምርጋእ ደምን ከምዝከላኸል ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ይሕብሩ፡፡
3.ምሕቓቕ ምግቢ የቀላጥፍ፦
ምሸላ ፋይበር ካብ ዝርከበሎም ዓይነት እኽሊ ሓደ እዩ፡፡ ሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ኣብ ንምገበሉ እዋን 48 ሚኢታዊ ፋይበር ትሕዝቶ ዘለዎ ምግቢ ንረክብ፡፡ ፋይበር ድርቀት ከብዲ ንምክልኻል፣ ኣብ ደምና ውሽጢ ዘሎ መጠን ሽኮር ይቆፃፀር፣ መጠን ኮለስትሮል ንምቕናስ፣ ሕማም ኪንታሮት ንምክልኻል፣ ፀፀር ሓሞትን ኩላሊትን ንምክልኻል ይሕግዝ፡፡
4.ካንሰር ይከላኸል፦
ኣብ ምሸላ ውሽጢ ዝርከቡ ፓይቶኬሚካል ካንሰር ኣብ ሰውነትና ብበዝሒ ንከይባዛሕን ከይመሓላለፍን ዝቆፃፀር ንጥረ ነገራት ከምዘለዎ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ይጠቕሱ፡፡ ብፍላይ እዞም ንጥረ ነገራት ካንሰር ጨጎራን መዓንጣን ከምኡ እውን ቆርበትን ይከላኸል፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ምሸላ ምምጋብ ኣብ ጎሮሮና ሕማም ካንሰር ንኸይፍጠር ይከላኸል፡፡
5.ካብ ግሎቲን ናፃ እዩ፡- ምሸላ ግሎቲን ዝተባሃለ ካብ ፍራምረ ምምጋብ ዝፍጠር ጠቓሚ ዘይኮነ ዓይነት ፕሮቲን ነፃ እዩ፡፡ እቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ግሎቲን ዘይስማዕምዖም ሰባት ከምዘለው ብምጥቓስ ኩሎም ዓሌታት ዘርኢ ምሸላ ካብዚ ነፃ ምዃኖም ኣረጋጊፁ፡፡
6. ምሸላ ክሳብ ሕዚ ጀነቲካሊ ሞዲፋይድ ወይ ተፈጥሮኣዊ ዘይሓለወ ምህንድስና ዝኾነ ዘርኢ የብሉን፡-
ክሳብ ሕዚ ዝፈርይ ብዝበለፀ ተፈጥሮኣዊ ብዘሓለወ ኣሰራርሓ እዩ፡፡ ብርግፅ ዝፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ዘይሓለው ምህንድስና እንተተፈተኑ ዝተመሓየሸ ዓሌት ኣይተረኸባን ይብል እቲ መፅናዕቲ፡፡
7.ምሸላ ምምጋብ ብዙሓት ጥቕምታት ኣለውዎ፡-
ምሸላ ምምጋብ ኣብ ሰውነትና ዝተፈላለዩ ረብሓታት ኣለዎ፡፡ ምሸላ ከምዘለዎ ምምጋብ ከምዝከኣል ዝፍለጥ ኮይኑ ብተወሳኺ ከም ሩዝ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ምግቢ ምምጋብ ይከኣል፡፡ ወለድና ከምዝጥቀማሉ ኣብ ምሸላ ዘለው ኢንዛይዛይማት ንምውጋድ ንሸሞንተ ሰዓታት ምዝፍዛፍ ኣድላይ እዩ፡፡ ብምቕፃል ንሓደ ሰዓት ዝኣኽል ምሕማስሕ/ ምስጣሕ የድሊ፡፡ ምሸላ ኣብ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ብእንጀራን ጋዓትን እንጥቀመሉ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ግን ብጋዓት ጥራሕ ይጥቀማሉ፡፡ ብተወሳኺ ካብ ምሸላ ካብ ግሎቲን ነፃ ዝኾነ ቢራ ከምዝፅሞቕ ድህረ ገፅ ኣግሪካልቸራል ቢዝነስ ፋርምስ ይገልፅ፡፡ ብሓፈሻ ምሸላ ካብቶም ኣዘውቲርና እንጥቀመሎም ምግብታት ክኸውን ከምዝግበኦ እቲ ወሲኹ ይሕብር፡፡
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
26 መስከረም 2013 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons