ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
===================================
ሓበሬታ-ንኹለመዳያዊ መኸተን ዘላቒ ምዕባለን!!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ መዓልቲ ሓበሬታ ብብርኪ ክልል ን2ይ ግዜ ዘኽበሮ፣ ቐንዲ ምኽንያት፣ ኣብ ፅባሕ ምስረታ መንግስቲ፣ ዝውጠኑ ቐፃሊ ትልሚ 5 ዓመትን፣ ኣብ ዝቕፅሉ 25 ዓመታት ትግራይ፣ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምዕባለ ዘብፅሑ ኣንፈታትን መደባትን፣ ምልኣተ ህዝብና፣ ተኣማናይ ሓበሬታ ረኺቡ ኣብ ኩሉ መደባት መኸተ ቀንዲ ተዋሳኣይ ንምግባር ብዘለዎ ትርጉም እዩ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግና መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመሮ ሓዱሽ ኣወዳድባ ትግራይ ኣፅፊፉ ናብ ባይታ ብምውራድ ስርዓት ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምዝርጋሕ፣ ቅልጡፍ ሕቶ ልምዓት ንምምላስ፣ ካብ ኣካብነት ክራይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝፍልፍሉ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር፣ ብርኪ ብብርኪ ብምፍታሕ፣ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ መተካእታ ዘይብሉ ግደ ስለዘለዎ እዩ፡፡

ብምዃኑ ህዝብና፣ መንግስቲ ዘውፀኦም ሓደሽቲ ፖሊስታት፣ ኣዋጃት፣ ዝውጥኖም መደባትን፣ ብሓፈሻ ኣብ መሰረታውን እዋናውን ጉዳያት ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በፂሑ፣ እጃሙ ንኸውፊ ከምኡ እውን እወንታዊ ምስሊ ትግራይ ንማሕበረሰብ ዓለም ብምፍላጥ፣ ትግራይ ስሕበት ኢንቨስትመንትን ማእኸል ቱሪዝምን ንምግባር ኣብ ዘለናሉ ንኡስ ዝተሓላለኸ መድረኽ ህዝብና ኣብ ንቕሓትን ፍልጠትን ዝተደረኸ ውሳነ ንምውሳን ተራ ሓበሬታ ቁልፊ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡

ብምዃኑ መንግስቲ፣ ኣብ ሕገ-መንግስትን ኣዋጅ መሰል ሓበሬታ 590/2000፣ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምእካብ፣ ምሕታት፣ ምርካብን ምዕቃብን ብዝደለይዎ ኣገባብ ምሕላፍን ምፍናውን ዝተደንገገ መሰሎም ብሙሉእነት ተግባራዊ ከይኸውን፣ ማሕንቖታት ኮይኖም ዘለው ፀገማት ኣተሓሳስባ፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ብምፍታሕ ብቐንዱ ህዝብና ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፣ ዝፈጥሮ ስጡም ሓድነት፣ ዘለዎ ፖለቲካዊ ዋዒ፣ ኣሓይሉ ተወዲቡ ብንቕሓት፣ ውሽጣዉን ግዳማዉን ፀገማት መኪቱ፣ ትግራይ ጀሚራቶ ዘላ ከይዲ ዲሞክራይታዜሽን ኣብ ድልዱል መሰረት ክህነፅ፣ ኣብ ኩለመዳይ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ፣ ግንባር ቀደም ተዋሳኣይ ኽኸዉን ዘኽእሎ ሓበሬታ ክረክብ ግድን እዩ፡፡

ከም ዝፍለጥ ኣብ መዋእል ግሎባላይዜሽን፣ ከም ሃገርካ ተወዳዳራይ ንምዃን ካብቶም ሽዱሽተ ዓበይቲ ሃፍተ-ገነታት ማለት ሰብኣዊ ሃፍቲ፣ ፋይናንስ፣ ማተርያል፣ ቴክኖሎጂ፣ ግዜን ኣውራ መወዳዳራይ ሃፍቲ፣ ሃፍቲ‐ሓበሬታ እዩ፡፡ ነዙይ ቀንዲ ሃፍትን ሓይሊን ሓበሬታ፣ ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ኩለ መዳያዊ ሓበሬታ ዘለዎ ዓለም ናይ ምዝዋር፣ ጉልበትን ብቕዓትን ኣለዎ፡፡ ስለዝኾነ ዘላቒ ምዕባለ ንክነረጋግፅ በቢማይክሮ ሴከንድ ተኣማናይ ሓበሬታ ብዓይነት፣ ብበዝሕን ፅሬትን ምቅላሕ ወሳናይ ጉዳይ ምዃኑ ሕድሕድ ትግራዋይ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕድሕድ ቤት ዕዮ መንግስቲ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ተረዲኡ ብሓላፍነት መንፈስ እጃሙ ከውፊ ግድነት ከም ዘለዎ ክርዳእ ይግባእ፡፡

ኣብ መወዳእታ ዘፈር ኮሚኒዩኬሽንን ሚድያን ትግራይ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ውሑስ ኣብ ምግባር፣ ንኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ኣብ ምቅላዕን፣ ብሓፈሻ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንኽፈልጦን ክምክቶን ዝገበሮ ርብርብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ፡፡ ብቐንዱ ግና መንግስቲ ትግራይ ምስ ምልኣተ ህዝብን ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝገብሮ ዘሎ ኩለመዳይ ርብርብ፣ ብፍላይ ህዝብና ስሉጥ ልምዓት ክረጋገፀሉ፣ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር፣ ምጉዳል ፍትሒ ዝፈጥሩ ተሓታትነት ክረጋገፅ፣ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝተኣናገደሉ ምህዳር ዲሞክራሲ ክዕምብብ፣ ዘፈር ኮሚዩኒኬሽንን ሚድያን ትግራይ ትኽክለኛን ተኣማንነትን ዘለዎ ሓበሬታ ብምቅላሕ ሓበሬታ ንኹለመዳያዊ መኸተን ዘላቒ ምዕባለን፣ ክነውዕሎ ኩሉ እጃሙ ከውፊ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ 22 መስከረም 2013 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons