በዓል መስቀል አብ ከተማ ዓድግራት ብድሙቅ ኩነታት ተኸቢሩ

አብቲ ስነ ሰርዓት ደመራ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ከምዝበልዎ፣ በዓል መስቀል እዚ ዓመት ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ዘብሎ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ንድሕንነት ሕ/ሰብ ክበሃል ብውሱን ተሳታፊ ጥራሕ ክኽበር ተገይሩ እዩ። ሕ/ሰብ ብወገኑ በዓል መስቀል ዓጋመ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሒዙ ንክከይድ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ እናኽበሮ እዩ ኢሎም።

ኣፈ ጉባኤ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ሩፋኤል ሽፋረ ብወገኖም፣ በዓል መስቀል ካብቶም መዝገብ ዓለም ዝተመዝቡ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ሓደ እዩ። እዚ በዓል ኮሮና እናተኸላኸልካ ዝኽበር ዘሎ በዓል ስለዝኾነ ካብ ካልእ እዋን ፍልይ ብዝበለ ኩነታት ዝኽበር ዘሎ እዩ። በኻልእ ወገን እዚ በዓል ህዝቢ ትግራይ 6ይ ዙር ታሪኻዊ መረፅኡ ኣብ ዘሳለጠሉ ፅባሕ ዝኽበር ዘሎን መሰሉ ብኻሊእ ኣካል ክሕሎ ከምዘይኽእል ኣሚኑ ንኹሎም ሽርሕታት እናመከተ መሰል ዓርሰ ዉሳንኡ ዘረጋገፀሉን እዋን እዩ ኢሎም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
17 መስከረም 2013 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons