ኣብ ድኽዳኸ ህፃናት ዘድሃበ ስልጠና ንኣካላት ሚድያ ተዋሂቡ

ብምትሕብባር ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስት ክልል ትግራይን ቃልኪዳን ሰቖጣን ኣብ ድኽዳኸ ህፃናት ዘድሃበ ዘተ ምስ ኣካላት ሚድያ 16 መስከረም 2013 ዓ.ም ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ከምዝበልኦ፣ ህፃናት ብድኽዳኸ ንከይጥቅዑ ዝተዋደደ ስራሕ ኩሎም ኣካላት ዝጠልብ እዩ። ብፍላይ ግና ሚድያታት ግንዛበ ሕብረተሰብ ብምብራኽ ኣብ ኣተሓሳስባ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ክሰርሓ ኣለወን። ምኽንያቱ ህፃናት ካብ ድኽዳኸ ተናጊፎም መፍረይቲ ዜጋታት ንከይኾኑ ዝዓግት ዘሎ ቁልፊ ፀገም ኣብ ምቕራፅን ምልዋጥን ርእሲ ደቂ ሰባት ብዝግባእ ስለዘይሰራሕና ኢና። ህፃናት ካብ ድኽዳኸ ናፃ ኮይኖም ኣብ ኩለመዳያዊ ቐፃሊ ሂወቶም ዕዉታት ንክኾኑ፣ ሚድያታት ኣብ ምዕባይ ግንዛበ ዝለዓለ እጃም ክፃወታን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ብሉፃት ስራሕቲ ካብን ናብን ብምግፋሕ ኣብ ምንካይ ድኽዳኸ ህፃናት ምስራሕ ከምዘድልን ወ/ሮ ሊያ ሓቢረን።

ላዕለዋይ መተሓባበሪ ቃል ኪዳን ሰቖጣ ኣይተ ፀጋዝኣብ ሃይሉ ብወገኖም፣ ድኽዳኸ ህፃናት ንምንካይ ካብ ጥንሲ ጀሚሩ ክሳብ ክልተ ዓመት ኣብ ዘለዋ 1000 መዓልትታት ዝለዓለ ስራሕ እንተደኣ ተሰሪሑ ፀገም ድኽዳኸ ምፍታሕ ከምዝከኣልን፣ ሚድያታት ትግራይ ኣብዚ መዳይ ዘይተሓለለ ስራሕ ክሰርሓ ትፅቢት ከምዝግበርን ገሊፆም።

ድኽዳኸ ህፃናት ምስ ዘይምዕሩይ ኣመጋግባ ዝተኣሳሰር ፀገም እዩ ዝበሉ እቶም መተሓባበሪ፣ ዘይምዕሩይ ኣመጋግባ ዘስዕቦ ፀገም ድማ ኣብ ኣካል ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ኣእምሮ እውን ዝለዓለ ፅልዋ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።ብምዃኑ ድኽዳኸ ህፃናት ንሓደ ኣካል ጥራሕ ዝድርበ ውራይ ስለዘይኮነ ብዝተዋደደ ኣገባብ፣ ብተወፋይነትን ብተገዳስነትን ኩሉ ቀላፅሙ ጠሚሩ ክወፍረሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን፣ቃልኪዳን ሰቖጣን ሚድያታት ትግራይን ሰነድ ስምምዕነት ብምፍርራም እቲ ዘተ ተዛዚሙ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስት ክልል ትግራይን
16 መስከረም 2013 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons