6ይ ዘመን 1ይ ስሩዕ ጉባኤ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓድሽ መንግስቲ ትግራይ መስሪቱ

4 ዻጉሜን 2012 ዓ.ም ዝተኻየደ ታሪካዊ መረፃ ትግራይ ስዒቡ፣ ሰዓራይ ውድብ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ብዘለዎ መሰረት፣ ሎሚ መዓልቲ 14 መስከረም 2013 ዓ.ም 6ይ ዘመን 1ይ ስሩዕ ጉባኤ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምክያድ ሓድሽ መንግስቲ ትግራይ ተመስሪቱ። እቲ ቤት ምኽሪ ንዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይኖም ንሓሙሽተ ዓመታት ንከገልግሉ ብሙሉእ ድምፂ ሸይሙዎም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት 14 መስከረም 2008 ዓ.ም ከምዛ ዕለት እቲ እናገልገለ ዝፀንሐ መንግስቲ ከምዝተመረፀ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሎሚ መዓልቲ 14 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ሓድሽ መንግስቲ ትግራይ ተመስሪቱ ኣሎ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
14 መስከረም ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons