ንቀወምቲ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስጋና ወረቐት ምስክር ተዋሂቡ

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ 14 መስከረም ቅድሚ ቐትሪ መዛዘሚ 5ይ ዘመን መበል 20 ስሩዕ ጉባኤ እንተሳልጥ ንቀወምቲ ኮሚቴታት እቲ ቤት ምኽሪ ምስጋና ወረቐት ምስክር ሂቡ።

እቶም ምስጋና ወረቐት ምስክር ዝተውሃቦም ዋና ኣፈ-ጉባኤን ምክትል ኣፈጉባኤን ዝርከቡዎም፣ቀወምቲ ኮሚቴታት በጀትን ኦዲትን፣ ጉዳያት ልምዓትን ከተማን ኮንስትራክሽንን፣ሕግን ምምሕዳርን፣ሕርሻንልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበራውን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን እዮም። ነባር ኣባላት ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን ንዝነበሮም ዕውት ምንቅስቃስ ምስጋና ወረቐት ምስክር፣ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ተዋሂቡዎም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
14 መስከረም 2013 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons