ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ብዘይ ድምፂ ክሳተፉ ብኣብዛሓ ድምፂ ብኣዋጅ ፀዲቑ

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መረፃ ዘይተዓወቱ ተነሓነሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብዝረኸብዎ ድምፂ ተሰሊሑ ኣብ ቤት ምኽሪ ብዘይ ድምፂ ክሳተፉ ብኣብዛሓ ድምፂ ብኣዋጅ ፀዲቑ፡፡

ካብ ጠቕላላ 192 ወንበር እቲ ሸሞንተ ሚኢታዊ ወይ ድማ 15 ወንበር እቶም ውድባት ብዝረኸብዎ ድምፂ መሰረት ክከፋፈልዎ ተገይሩ እዩ፡፡ ብምዃኑ ባይቶና 7፣ ውድብ ናፅነት ትግራይ 5 ፣ ሳልሳይ ወያነ 2 ወንበር ዝረኸቡ እንትኾን፣ ውድብ ዓሲምባ ዋላ እኳ ብመሰረት ስልሒት ሓደ ወንበር ዘርክብ ድምፂ ኣይርከብ ንተሳትፎ ክበሃል ግና ሓደ ወንበር ክረክብ ተገይሩ እዩ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
14 መስከረም ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons