ፍርያት ምሸላ ንውሕስነት ምግቢ ትግራይ ንምውዓል ይስራሕ ኣሎ
****************************************************
ፍርያት ምሻለ ኣብ ምቅላል ናብራ ሕብረተሰብ ልዑል ግደ ከም ዘለዎ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል 9 መስከረም 2013 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ “ምሸላ ንውሕስነት ምግቢ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ኤግዚብሽን ገሊፆም፡፡

እቲ ምርኢት ኤግዚብሽን ብቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ዝተሰናደአ ኮይኑ ኣብቲ እዋን ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝበልዎ፣ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ዝበዝሑ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ካብ ሰሊጥ ብዝበለፀ ፍርያት ምሸላ ከፍርዩ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን ብስፍሓት እናተሰርሐሉ ከም ዝኾነን ገሊፆም፡፡

ትግራይ ብፍርያት ምሸላ ዓርሳ ንኽትክእል ካብ ፍርያት ምሸላ ዝተዳለው ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግቢ ብዋግኦም ፍትሓዊ ኮይኖም ክቕርቡን ኣብ ምቅላል ናብራ ልዑል ግደ ክፃወቱን ከምዝግባእ ዶክተር ደብረፅዮን ተዛሪቦም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ብወገኖም፣ ፍርያት ምሸላ ዳርጋ ኣብ ዝበዝሕ ክፋል መሬት ትግራይ ዝፈሪ እዩ። ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ንፍርያት ምሸላ ትኹረት ሂቡ ንምግብነት ክውዕል ኣብ ምግባር ሰፊሕ ክፍተት ኣሎ። ምሸላ ምምጋብ ዳርጋ መግለፂ ትሑት እቶት ገይርካ ይውስድ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ውፅኢት እዚ ፍርያት ዝኾኑ ምግብታት ጠቐምቲ ዝባሃሉ ንጥረ ነገራት ስለ ዘለውዎም ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ዝህልዎም ረብሓ ብምርዳእ ትኹረት ሂብካ ክስርሓሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዝቐረበ ምርኢት ኤግዚብሽን ካብ ፍርያት ምሸላ ከም እንጀራ፣ ኬክ፣ ጋዓት፣ ባኒ፣ ስብቆ፣ ቅጫን ሃንዛን ምድላው ከም ዝኻኣል ንተዓደምቲ ንምርኢት ቀሪቡ እዩ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዘብን መንግስትን ክልል ትግራይ
09 መስከረም 2013 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons