ሰሙናዊ መልኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ፖለቲካዊ ዋዒና ሓሊና ማሕበረ ቁጠባ ክልልና ነበርኽ!!
==============================
ህዝቢ ትግራይ ብዙርያ መለሽ ዓወታት ተፀንቢሉ “ሀ” ኢሉ ዝጀመሮ ሓዱሽ ዓመት 2013 ዓ.ም ኣብ ዝጣየሽ ሓዱሽ መንግስቲ ጎኒ ዓሲሉ፣ ከም ወትሮ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ድሙቕ ተወሳኺ ታሪኽ ከም ዘመዝግብ ኣየጠራጥርን።

ብርግፅ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ብባህሪኡ ኣዕርዩ ዝተሓላለኸን በብሰዓቱ ዝቀያየርን እዩ። ስለዝኾነ እቲ ኩነታት መኪትካ ብዓወት መሰስ ንምባል ቅድሚ ኩሉ ስነ-ልቦናዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ምድላው ምግባርን ምትዕፅፃፍን ግድን ስለዝብል እቲ ዝጣየሽ ሓዱሽ መንግስቲ ትግራይ ዝሕንፅፆም መደባት ብግቡእ ተረዲእና፣ሕድሕድ ትግራዋይ በብውዳብኡ ዝንፀሩ ዕማማት ዓትዒቱ ብጊዜ የለን መንፈስ ብምፍፃም፣ድሕንነትን ሃለዋትን ትግራይ ብምርግጋፅ፣ ተደማሪ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምምዝጋብ ዕቱብ ፃዕሪ ይጠልበና።

 

ከምዝፍለጥ ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይሃስስን ንዘልኣለም ዝዝንተውን ድሙቕ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዝተፅሓፈ ብናይ ወለዶታት ቕብብል እዩ። ጀሚርናዮ ዘለና ሓዱሽ ዓመት ድማ ትግራይ ኣብ ቀፃሊ ትልሚ 25 ዓመት ኣብ ዝለዓለ ምዕባለ ብራኸ ክትበፅሕ፣ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ዘመዝገቦም ዓወታት ከም መንጠሪ ብምውሳድ ውዑይ መንፈስ ቃልሲ ብኩለ መዳያዊ ዓቕምታት ህዝብን ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ኣዋዲዱ ድኽነት ብምምሓው፣ ስራሕ ስእነት በቢብርኩ፣ ብምውጋድ ብሓፈሻ ተጠቃምነት ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ደማ ተጠቃሚነት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ፣ ኣብ 2013 ዓ/ም ዓቕሚ ዝፈቐዶ ርብርብ ክግበር እዩ፡፡

ስለዝኾነ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፣ብቐንዱ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ፣ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ነጋዶ ትግራይ፣ ዲያስፖራ ትግራይ፣ ብዘይ ዕረፍቲ ቀትርን ለይትን ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ውሑስ ንምግባር ዝሰራሕኩምዎ ቅያ፣ መንግስቲ ትግራይ ልዑል ፍናን እንትስመዖ ኣብ 2013 ዓ/ም እውን ኣጠናኺርኩም ከም እትቕፅልሉ ብምትእምማን እዩ ፡፡

ብድማር ዋርድያ ቀንዲ ፀላኢና፣ድኽነት፣ ድሕረትን ድንቁርና ዝኾነ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ከምኡ እውን ካብ ኣተሓሳስባን ተግባር ክራይ ኣካብነት ዝፍልፍሉ ከባብያዊነት፣ብጉልባብ ሃይማኖት ዝሳወሩ እከይ ተግባራት፣ ብኽነት፣ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ፣ኮቪድ-19 ብምምካት ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ብምውሳድ ዝረአይን ዝጭበጥን ውፅኢት ንምምዝጋብ፣ ሕድሕድ ትግራዋይ ክረባረብ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ሲቪል ሰርቫንት ድማ ንህዝቢ ትግራይ ምግልጋል ድርብ ክብሪ ምዃኑ ኣሚኑ ካብ ድሑርን ጎታታይን ልማዳዊ ኣሰራርሓ ተናጊፉ፣ ልምዓታዊን ዲሞክራስያዊን ኣተሓሳስባ ጨቢጡ ሰኣኒ ህዝቢ ኮይኑ ከገልግል ይግባእ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣርባዕተ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና ዝኾኑ ማለት ምዕሳል ሰላም፣ ምዕሟቕ ዲሞክራሲ፣ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ምርግጋፅ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን፣ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ዋዒና ሓሊና ማሕበረ ቁጠባ ክልልና ንምብራኽ ብግዜ የለን መንፈስ ክንምርሽ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃዊዒት እንተቕርብ፣ ኣብ ትግራይ፣ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሃገርና ከምኡ እውን ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ኩሉ ህዝብና ተግባራዊ ምላሽ ከም ዝህብ ብምትእምማን እዩ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ
መቐለ
08 መስከረም 2013 ዓ/ም

 

 

 

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons