ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም

“ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደምካ ማእለያ ዘይብሉ ታሪኽ ሰሪሕኻ ኢኻ፣ ሕዚ’ውን ዘስደምም ታሪኽ ፅሒፍካ ንፈታውን ፀላኢን ደጊምካ ምስ መን ከምዝገጠምኩም፥ እቲ ሓቂ ርአዩዎ ኣንብቡዎ ኢልካ ኣለኻ!!
•••••••••••••••••••••••••••••••
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
• ዝኸበርኩም ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ትግራይ!
• ዝኸበርኩም ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልልና!
• ዝኸበርኩም ኣዘዝትን ኣባላት ሓይልታት ፀጥታን፥
• ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፥

ኣቐዲመ ዝሓለፈ ዓመት ብምስናይ ናብዚ ሓዱሽ ዓመት እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ እናበልኩ ዝተሰምዐኒ ልዑል ታሕጓስ ብሽም ህዝቢን መንግስቲ ትግራይን ክገልፀልኩም ይፈቱ። ታሪኻዊ መረፃና ብዘይምንም ፀገም ብዓወት ብምዝዛሙ፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ንዘለኹም ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ተሓባቢርኩም፥ ተወዲብኩም፥ ብተወፋይነት ዕዉት መረፃ ትግራይ ብምክያድኩም ኣብ ታሪኽ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ዓለም ዘኹርዕ ናይዚ እዋን ሓዱሽ ቅያ ስለዝፀሓፍኩም ዝተሰመዐኒ ሓበንን ኲርዓትን መዘና ዘይብሉ ምኻኑ እናገለፅኩ፥ እንኳዕ ኣሓጎሰኩም ክብል ይፈቱ!

ማሕበረሰብ ነጋዶ ኣብ ትግራይ ትመርፅ ንዝተሳተፋ ፖለቲካዊ ውድባት ዘለኩም ክብሪ ንምግላፅ ዝሃብኩምና ሽልማትን ኣፍልጦን ዝለዓለ ምስጋናይ ይብፃሕኩም የቀንየልና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
እዚ ናብ ሓዱሽ ዓመት ዝገበርናዮ ስግግር ብዙሓት ረዘንቲ ጉዳያት ሓዚሉ ዝግበር ታሪኻዊ ስግግር እዩ። 2012 መሰል ዓርሰ ውሳነና ስርዓት ክኸውን ዝገበረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መበል 45 ዓመቱ ብድምቀት ዘኽበርናሉ ዓመት ኮይኑ ኣብ መዛዘሚኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሕገ መንግስቲና ኣይጠሓስን፥ ሕድሪ ስዉኣትና ኣይነዕብርን ኢሉ፥ ካብኡ ሓሊፉ በዓል ዋና መሰል ዓርሰ ውሳነ ኣነ እየ ኢሉ፥ ብልዑል ምልዕዓልን ተሳትፎን ንኹሉ ብዘስደምም ዕዉት ታሪኻዊ መረፃ ኣካይዱ።

እዚ ፍሉይን ታሪኻውን ናይ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን መረፃ ንዝቕፅሉ 5ተ ዓመታት ትግራይና ዘመሓድሩ ዝመረፅናሉ እዋን እዩ። ብተወሳኺ እዚ መረፃ መንነትና ዓቂብና ከም ህዝቢ ንክንቅፅል ዘኽእለና፥ ኣብ ወጥሪ ኾይንካ ዝተኻየደ መረፃ ይኹን እምበር መንእሰይ ከም መንእሰይ፥ ምሁር ከም ምሁር፥ ደቀንስትዮ ከም ደቀንስትዮ ኮታስ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሓደ ኾይኑ ሰጢሙ ደው ዝበለሉ ብምኻኑ ከይዲ ትግራይ ትመርፅ ካብ ኣጀማምርኡ ጀሚሩ ዕዉት ኮይ ክዛዘም ቀሪቡ ኣሎ።

ንምዝገባ መራፂ ማንም ኣይቕድመንን ኢሉ፥ ብለይቲ ኮሮና ኣናተኸላኸለ መስርዑ ሓሊዩ ንሓደ ሰሙን ዝተትሓዘ መደብ ምዝገባ መረፅቲ ልዕሊ ፍርቂ መራፂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክምዝገብ ዝኸኣለ እንትኸውን ኣብ ከይዲን ኣብ እዋን መረፃን ድማ ካሊእ ድሙቕ ታሪኽ ተመዝጊቡ፥ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ይትረፍ ኮሮና ብቐሊሉ ትከላኸሎ፥ ንደርጊ ገጢምና ክንደይ ከፊልና ዘረጋገፅናዮ መሰል ስለዝኾነ፥ ሕድሪን ቃልን ሰዉኣትና ኣፅኒዕና ኮሮናን ካልኦት ተፃብኦታትን መኪትና መሰል ዓርሰ ውሳነና ደጊምና ኣረጋጊፅና ኢና። ኣብ ሓደ ክልተ ቦታታት ኣሃዳውያን እንተተኮሱልና እውን እናተተኮሰ እውን መረፃና ተኻይዱ እዩ። ንሕና ኣቐዲምና ተዛሪብና ኢና መረፃና ደው ዘብል ሓይሊ የለን! ኮይኑውን ብፍላይ ኣብ ወሰና ወሰን ከባብታት ምዕራብ ትግራይ ዘለኹም ህዝብና እናተተኮሰ እውን ብሕረነ ወፂኹም ክንመርፅ ኢና ዝበልኩም፥ እቲ ብለይቲ ዝተተኮሰ ናብ መረፃ ተላዒልና ክንከይድ ክንበራበር፥ ቀዲምና ክንስለፍ ዝገበረ ዝበልኩም ሰብ ዕላማን ንኹሉ ድሉዋት ብምኻንኩም ስለዝኾነ ኣብ መንነትና ቀልዲ የለን ኢልኩም፥ ንኹሉ መማህራን ናይ ዕላማ ፅንዓት ስለዝኾንኩም ልዑል ምስጋናይ ይብፃሕኩም።

ህዝቢ ትግራይ ቀደምካ ክንደይ ታሪኽ ዝሰራሕካ ሕዚ’ውን ዘስደምም ታሪኽ ፅሒፍካ ንፈታውን ፀላኢን ደጊምካ ምስ መን ከምዝገጠምኩም፥ እቲ ሓቂ ርአዩዎ ኣንብቡው ኢልካ ኣለኻ:: መሰለይን፥ መንነተይን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክወርድ ዘይፈቅድ እኳ ድኣስ ንመንነተይን ክብረይን ኩሉ ንምኽፋል ንድሕሪት ዘይብል ንመስዋእቲ ድሉው ዝኾንካ ህዝቢ ምኻንካ ደጊምካ ሰለዘረጋገፅካ ዕዙዝ ምስጋናይ ይብፃሕኻ። እንዃዕ ድማ ናትና ኾንካ! ንሕና ደቅኻውን ብቅያኻ ሕቡናት ኢና! ንኣኻ ምግልጋል ክብሪ ስለዝኾነ እንተዝካኣል ህሉዋት ሓደ ጊዜ እንተይኮነ ደጋጊምና ምተሰዋዕናልካ። ቀዲሞም ዝተሰውኡ ደቅኻ ትማሊ ክተድምፅ ዝራኣዩ እንተዝኽእሉ ተላዒሎም ንዳግም መስዋእቲ ምተዳለዉ! ህዝቢ ትግራይ ምንጪ ኩሉ ዓቕሚ ዝኾንካ ትገርም ክቡር ህዝቢ ስለዝኾንካ ንኣኻ ዘለና ክብሪ ደጋጊምና ክንገልፀልካ ንፈቱ። ገና ክንደይ ታሪኽ ክትሰርሕ ኢኻ።

ዝኸበርኩም መናእሰይ

ኩሉ ፀገማት ተሸኪምኩም ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ እናተቓለስኩም ናይ ባዕልኹም ታሪኽ ምፅሓፍ ጀሚርኩም ኣለኹም። ብድጅታል ወያነን ብካልኦት ናይ ቃልሲ ኣግባባትን ተካይዱዎ ዝሃገኹም ዘለኹም ወናምን መትከላዊን ቃልሲን ዘኹርዕ እዩ። ሓድነትና ክከፋፍሉና ዓገርገር ዝብሉ ናይ ውሽጥን ግዳምን ሓይልታት ትኽክለኛ ኣተሓሳስባ ሒዝኩም ሓድነትኩም ኣረጋጊፅኩም ብምቅላስኩም ናይዚ መድረኽ ሰብ ታሪኽ ሃርበኛታት ምዃንኩም ኣብ 2012 ዝተገብረ ቃልሲ ኣመስኪርኩም ፥ ብፍላይ መ/ዓ/ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ቅድሚ መረፃ፥ ኣብ መረፃን ድሕሪኡን ዝፀሓፍኩምዎን ትሰርሑዎ ዘለኹም ታሪኽን ናይዚ እዋን ወለዶ ዝኾንኩም ናትኩም ታሪኽ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ንቐፃሊ እውን ኣብ መ/ዓ/ውስነ ህዝብታት እናተዘከረ ዝነብር ናይ ባዕልኹም ታሪኽ ከም ትውልዲ ፅሒፍኩም ኣለኹም። ኣንቱም ኣፍታ ፈታኒት እዋን ሕድርኹም ዘየዕበርኩም ሰብ ቅያ፥ ደጊመ እንኳዕ ደስ በለኩም፤ ደስ በለና። ብኣኹም ትግራይ ኮሪዓ እያ፥ ሕዚ፤ውን ንኹሉ ድሉዋት ኩኑ፥ ንስኹም እውን ገና ብዙሕ ታሪኽ ክትሰርሑ ዝተሓረኹም ኢኹም።

የተከበራቹህ የኢትዮጵያ ህዝቦች
አስቀድሜ ለ2013 ዓ.ም. እንኳን አደረሳቹህ! 2013 ዓ.ም. የሰላም፥ የጤና፥ የተስፋ፥የለውጥ ዓመት እንዲሆን በጎ ምኞቴ ይድረሳቹህ። 2012 ዓ.ም. ከባድ ፈተናዎችና ቀውሶች የጋጠሙበት፥ በህዝቦቻችን ላይ ዘርፈ ብዙ ጉዳቶች የደረሱበት፥ በኮቪድ 19 ሰበብ ምርጫ የተሰረዘበት ዓመት ነው 2012 ዓ.ም.። የትግራይ ህዝብ ግን በማንኛውም ጊዜ የሚከበረውን የራስን እድል በራስ የመወሰን ሕገ መንግስታዊ መብቱ በመጠቀም መሪዎች ስልጣን ላይ የሚቀመጡት በራሴ ውሳኔ እንጂ በኮቪድ 19 ሰበብ ስልጣን ላይ መቀመጥ አይቻልም በማለቱ ኮቮድ 19 በመከላከል ምርጫውን አካሂዶ ውጤቱን እየጠበቀ ይገኛል።

በዚሁ አጋጣሚ በአገር ውስጥና በውጭ የምትኖሩ የበርካታ ብሄር ብሄረሰቦችና ህዝቦች አባላት የትግራይ ህዝብ የራሱን እድል በራሱ የመወሰን መብት መከበሩ ተገቢ ነው ብቻ ሳይሆን፥ ጉዳዩ የትግራይ ህዝብ ብቻ ሳይሆን የኛም ነው ብላቹህ ማድረግ የምትችሉትን ሁሉ መስዋእትነትም ጭምር በመክፈላቹህና አጋርነታቹህ በተግባር ስለገለፃቹህ፥ በአስቸጋሪ ሁኔታ ሆናችሁም ወገን መሆናችሁን ስላረጋገጣቹህልን ለድጋፋቹህ ከፍተኛ ክብር አለን። ትግሉ ብቻ ሳይሆን ውጤቱም የጋራችን በመሆኑ እናንተም እንኳን ደስ አላቹህ።

የተከበራቹህ የኢትዮጵያ ህዝቦች
የትግራይ ህዝብ ምርጫ የሚወስነው የትግራይ ክልል መንግስት፥ ህወሓት ወይ ሌላ ኣካል አይደለም። የራሱን እድል በራሱ የመወሰን መብቱ በሚመለከት የትግራይ ህዝብ የሁሉም የበላይ ነው። ዳኛው፥ ይግባኝ ሰሚው፥ የመጨረሻ ውሳኔ ሰጪው የትግራይ ህዝብ ብቻ ነው። አንቀፆች እየቆጠሩ መተርጎም ጊዜ ማባከን ካልሆነ በህዝብ ውሳኔ ፊት ፋይዳ የለውም። የትግራይ ህዝብ የራሱን እድል በራሱ የመወሰን መብቱ የራሱ በመሆኑ የህዝቡ ውሳኔ ከመቀበልና ከማክበር ውጭ ሌላ አማራጭ መዳሰስ የቆጡን አወርድ ብላ የብብቷን ጣለች ያስከትል እንደሆን እንጂ ሌላ ፋይዳ እንደሌለው ከወዲሁ መገንዘብ ይጠቅማል።

በተገባደደው 2012 ዓ.ም. የአማራና የትግራይን ህዝብ ለማጋጨት ያልተደረጉ ሙከራዎች አልነበሩም። የመሬት አስመላሽ ነፃ አውጪ ኮሚቴዎችና ሌሎች የተፈለፈሉ በማሰማራት፥ ትህነግ የምትባል ፍጡር እስካለች ድረስ የአማራ ህይወት ከምስቅልቅል አይወጣም እያሉ፥ የህዝቡን ስቃይ ለማራዘም ሙከራ ቢያደርጉም የአማራ ህዝብ ማጭበርበሩ ይብቃቹህ፥ የራሳችሁን ችግር ተመልከቱ፥ ከትግራይ ህዝብ ጋር አንጋጭም፥ እረፉ እያለ የከፋ ጉዳት እንዳይደርስ በመታገሉ ለአማራ ህዝብ ያለን ክብር ደግመን መግለፅ እንፈልጋለን።

ለትግራይ ክልል በቅርብ ርቀት የሚገኙት የአማራ ክልል ህዝቦች እንደሚገነዘቡት በክልሉ አመራር የሚታዘዙ ታጣቂዎች ታሪካዊ ምርጫችን ለማደናቀፍ ያዙኝ ልቀቁኝ ሲል የነበሩ ቢሆኑም፥ ተሰማርቹህ ምን ውጤት ይዛቹህ መጣቹህ ቢባሉ በትግራይ ህዝብና ፀጥታ ሃይል ፊት መቆም እንደማይቻል ምስክር ሊሆኑ ይችላሉ።

የአማራ ክልል አመራር በ2013 ዓ.ም. ኣፋቹህ ይሁን ሚድያቹህ ስለ ትግራይ ማውራቱን የሚያበቃበት ዓመት እንደሚሆን እንመኛለን። ስለራሳቹህ፥ ስለምታስተዳድሩት ህዝብ ማሰብ፥ መስራት፥ ማገልገል ጀምሩ ወይ ማገልገል ለሚፈልጉና ለሚችሉ ቦታቹሁን ያለግርግር ልቀቁ።

2013 ዓ.ም. በህዝብ ህይወት፥ ኑሮና ጊዜ መቀለድ የሚቆምበት ዓመት ይሆናል ብለን ተስፋ እናደርጋለን። ባጭሩ በትግራይ ህዝብ ላይ ከውጭ ሃይልም ጭምር እየተባበራቹህ፥ ሁሉም ዓይነት ግፍ በመፈፀም ላይ የምትገኙ የድሮና አዳዲስ አሃዳውያንና ሌሎች ተስፈኞች፥ ተላላኪዎችና ከተላላኪዎች በታች የሆናቹህ ሁሉ ማሳወቅ የምንፈልገው የትግራይ ህዝብን የማያከብር ጨው ለራሱ ብሎ ይጣፍጥ ነው።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣብዛ መሰጋገሪት ሓዱሽ ዓመት ዝኾነት ዕለት ወገንና ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራውን ክንዝክሮ ይግባእ። ባሕቲ መስከረም 2011 ዓ.ም. ክልቲአን ሃገራትና ዝጀመርኦ ጉዕዞ ሰላም ንቕድሚት ምውሳድ ዝካኣል እናሃለወ ካብ ፈለምኡ ዝተፍሐሰ ሸርሒ ብዙሕ እንተይፀንሐ ስለዝፈሸለ ተጀሚሩ ዝነበረ ርክብ ህዝብታት ብወግዒ ክቋረፅ ተገይሩ እዩ። ኣብ ናይ ቀደም ደርፍን ዛንታን ዝተሸኸሉ መራሕቲ ዝምድና ህዝብታትና ምዕሩይ ከይኸውን የዕንቅፉ ጥራሕ እንተይኮነ ሕሉፍ ሓሊፎም ምስ ናፅነት ኤርትራ ዘይቕበሉን ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ ምስዝብሉን ዓሪኾም ንናፅነት ኤርትራ ደው ንዝበለ ህዝቢ ትግራይ ክብድሉ ዘይፈሓሱዎ እከይ የለን።

ሕዚ’ውን ምስ ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኢሂን ምሂን እናበልና ንቕድሚት ክንስድር ድልየትና ምዃኑ ክንገልፀልኩም ንፈቱ። ንሕና ሕሉፍ ንክንመሃረሉ፥ ፀገማት ክንፈትሐሉ ከም መንጠሪ ክንጥቀመሉ እምበር ኣብ ሕሉፍ ተሸኺልና ክንነብረሉ ኣይኮነን። ኣብ 2013 ልዑኽና ህዝብታትና ዝምድንኦም ዘሐይሉሉ ኩሉ ኣግባብ ክንጥቀም፥ መፃኢ ጉዕዞናን ታሪኽናን ብሩህ ክኸውን ምግባር እዩ። በዚ ኣጋጣሚ መረፃን ደሕንነት ህዝቢ ትግራይን የገድሰናዩ ኢልኩም ህዝባውን መትከላውን ደገፍኩም ብዝተፈላለየ ኣግባብ ዝገለፅኩም ኤርትራውያን ልዑል ምስጋናና ይብፃሕኩም።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን
ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ከምዝሕብሮ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ብዘተኣማምን እናመከተ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት እናመዝገበ ዝመፀ ህዝቢ እዩ። ኣብ 2011 ዝጀመርናዮ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብምሕያል ሓድነት ህዝብና ሒዝና ኣብ 2013 ዓ.ም. ትግራይ ንምልዋጥ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ቃል ንእቶ፥ ኣብ ቃልናውን ንረኸብ። ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላምን ሓቢርካ ምዕባይን ዓመት ክኾነልና ሰናይ ትምኒተይ ክገልፀልኩም ይፈቱ።

• ልዑል ክብሪ ንሙሉእ ህዝቢ ትግራይ!
• ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!
• 2013 ሰናይ ናይ ድሙቕ ዓወት ዓመት ይኹነልና

• የቐንየለይ!”

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
1መስከረም 2013 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons