ህዝቢ ልዕሊ ኮሮና እዩ

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሎሚ መዓልቲ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓድዋ ተረኺቦም መሪፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብቲ ዘድመፅሉ ቦታ ተረኺቦም ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንትምልሱ ከምዝበልዎ፣ሎሚ መዓልቲ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ፍሉይ ታሪኽ እናተፈፀመ እዩ።እዚ ታሪኽ መስዋእቲ ተኸፊሉዎ ዝመፀ እዩ።ህዝባዊ መረፃ ክካየድ ድማ ግድን እዩ። ብምዃኑ ኮሮና ፈሪሕኻ መረፃ ብዘይ ኣግባብ ክናዋሕ ኣይምተገበአን ነይሩ።ብመሰረቱ ህዝቢ እዩ ክፍራሕ ዘለዎ እምበር ኮሮና ኣይኮነን፤ምክንያቱ ህዝቢ እዩ ልዕሊ ኮሮና ኢሎም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons