መግለፂ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
==================================

ንሎሚ ጥራሕ ከይኮነስ፤ ንቅድሚት ኣሚትና፤ ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና፤ ኣሸንዳ ኣብ ገዛና!!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ በብዓመቱ፣ ብዝለዓለ ድምቀት ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ፣ ዓይኒ ዋርን ማርያን እንኳዕ ብሰላም ኣብፅሐኩም፣ ኣብፀሐና፣ ዝብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ብሽም ህዝቢ ትግራይ እንተመሓላልፍ ኩሎም ፈተናታት ሓሊፍና ኩለመዳያዊ ዓወታት ኣመዝጊብና፣ ኣብ ቀፃሊ ዓመት በዓል ኣሸንዳ ብድሙቕ ፅንብል ከምእነኽብሮ ብምትእምማን እዩ::

ህዝብን መንግስቲ ትግራይን ናይ ሎሚ ዘበን 15ን 16 ነሓሰ፣ እንዝክሮ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ኮይንና እዩ። በቲ ሓደ ገፅ፣ 8ይ ዓመት ዕለተ መስዋእቲ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ እናዘከርና፣ ኣብ ዕለት መስዋእቱ ዝኣተናዮም ቃል ዳግም ብምሕዳስ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብደሆታት፣ ከም ወትሮ ፈንፂሕና ንምውፃእ ብዝበለፀ ክንሕርን፤ በቲ ካሊእ ገፀ ድማ መግለፂ መንነት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋርን ብምኽንያት ኮሮና ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብቐንዱ ድማ ደቂ ኣሸንዳ ጥዕንአን ሕልው ንምግባር “ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና፣ ኣሸንዳ ኣብ ገዛና” ብዝብል መሪሕ ቃል እንትነኽብር ቖልዑ ኣሸንዳ፣ ዓይኒ ዋርን ማርያን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ተረዲአን፣ ብመንፈስ-ሕጉሳት ኮይነን፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዩኒስኮ ንምምዝጋብ ዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ፣ ደጊፈን እጃመን ከምዘወፍያ ብምትእምማን እዩ።

መስዋእቲ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ በብዓመቱ እንዝክሮ ክብርታትን ለጋሲታትን መለስ ተምሃርን መምህርን፣ መለስ ኣብ ሳይንሳዊ ፍልጠት ተሞርኪሱ ብብቕዓት ዝትንትን መራሒ፣ መለሰ ዓበይቲ ሓሳባት ዘመንጭዉ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ዝቕይር መራሒ፣ መለሰ በዓል ራእይ መራሒ፣ መለስ ንልዕልና ሕግን ዴሞክራስን ብፅንዓት ዝተቓለሰ መራሒ፣ መለስ ገስጋሳይን ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ዘተግብር መራሒ፣ መለስ ዋርድያ ሰላም፣ መለሰ ካብ መትከሉ ፈተኽ ዘይብል ተምሳሌት ፅንዓት፣ ሰብኣዊ፣ ፍትሓውን ርህሩህን፣ ንህዝቢ ወጊኑ ከም ሽምዓ ዝመኸኸ፣ ሃርበኛ ልምዓት መራሒ ብምንባሩ’ዩ።

ብምዃኑ ክብርታትን ለጋሲታትን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊን ኩሎም ስዋኣትን ብፅንዓት ሒዝና ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምስግጋር ልዕሊ ኩሉ ብዓፅምን ደምን ዝተረጋገፀ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ 4 ጳጉሜ 2012 ዓ/ም ብመኸተ መረፃ ውሕስ ንምግባር ተምሳሌት ማሕበረሰብ ዓለም ንምዃን 15 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ኣብ ዝጅመር ምዝገባ መረፅቲ ህዝብና ብንቅሓት ንኽኸትትን መኸተ ቫይረስ ኮሮናን ወራር ኣንበጣን ኣበርቲዕ ክቅፅለሉን መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቅርብ ፣ ኣብ መወዳእታ ደቂ ኣሸንዳ፣ ምኽሪ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖት፣ መልእኽቲ መንግስቲ፣ ማዕዳ ስድራ ቤትን ኩሎም መድረግቲ ኣካላትን ሰሚዐን ናይ ሎሚ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ቅድሚት ኣሚተን ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና፤ ኣሸንዳ ኣብ ገዛና ዝብል ኣንፈት መንግስቲ ትግራይ ተግባራዊ ከምዝገብርኦ ንፃት ዉን ኣይጠራጥርን።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 14 ነሓሰ 2012 ዓ/ም

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons