ዕለታዊ መልእኸቲ

ኣሸንዳና-ኣብ ገዛና!! ንበረኻ ኣንበጣ- ብፎጣ!! ንኮረና- ሕድ ሕድና!! ባንዳ-ሕልው ኣይብላን እታ ሜዳ!!

ህዝቢ ትግራይን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፣ 6ይ መረፃ መኸተና ምስ ምክያድ ጎና ጎኒ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ግንባራት ወፊሮም ብምርብራብ መስተንክራዊ ዓወታት የመዝግቡ ኣለው፡፡ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ዝውገን 6ይ መረፃ መኸተና ሰላማዊ፣ ነፃ፣ ግልፂ፣ ኣሳታፊ፣ ዲሞክራሲያዊ፣ ሕጋውን ተኣማንን ገይሮም ብምዝዛም ንዓለም ተምሳሌት ከምዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኸውንን::

ስለዝኾነ 15 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ኣብ ዝጅመር ምዝገባ መረፅቲ፣ ብመሰረት ቑፅሪ ኣዋጅ 351/2012 ዓ.ም ብዝተደንገገ ረቛሒታት መረፅቲ ዘማልእ፣ ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾነ ሰብ ብእዋኑ ክምዝገብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ፃዊዒቱ የቕርብ::


ኣብዚ ዘለናሉ ወሳናይ መድረኽ፣ መረፃና ዕውት እንገብሮ፣ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ኣራት ኪሎን ሓሻኽሩን፣ ዘሳውርዎም ሽርሕታት እናፍሸልናን ተፈጥሮኣዊ ፀገማት እናመከትናን ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ብምዃኑ 12 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ትግራይና፣ ዝተርኣየ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፣ ህዝብና ተወዲቡ፣ ካብ ዝዓረፎ ወስ ከይበለ ዶኲዕዎ ኣሎ:: በዚ ዘዕግብ ስራሕ ድማ የዒስ ህዝብና፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ መኸተና ኣብ ካልኦት ግንባራት ውን ከምዝደግሞ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን::
ህዝብን መንግስትን ትግራይና፣ ብሓደ ኮይኖም ኩለ መዳያዊ ዕማማቶም እናወገኑ፣ በቲ ካልእ ተፈጥሮን ሰብ ሰራሕትን ፀገማት እናመከቱ፣ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ህዝባዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት እናፀምበሉ መፂኦም እዮም፤ኣብ ቀፃሊ እውን ከምዝፅንብሉ ሕቶን ርኢቶን የብሉን::
ይኹን ድኣምበር ሎሚ ዘበን፣ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብቐንዱ ጎራዙን ዋዕሮታት ትግራይና፣ በብዓመቱ ብድሙቕ ዘፀንብልኦ፣ ኣሸንዳ፣ ዓይኒ-ዋርን ማርያን ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ከም ወትሮ ኣብ ኣደባባይ ወፂአን ከድምቕኦ ኣይኽእላን::
ስለዝኾነ “ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣሸንዳና- ኣብ ገዛና!!” ንበረኻ ኣንበጣ- ብፎጣ!! ንኮሮና- ሕድ ሕድና!! ባንዳ-ፈፂሙ ሕልው ኣይብላን እታ ሜዳ!! ብምባል ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ቖልዑ ኣሸንዳ፣ ዓይኒ ዋርን ማርያን፣ ንበለካ ለኽዐካ ዘረግቲ ሰላምን፣ ንልኡኻት ውልቀ መላኺ ጉጅለ ኣራት ኪሎን፣ እዝኒ ከይሃባ፣ ምኽሪ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃማኖታትን፣ መልእኽቲ መንግስቲ፣ ማዕዳ መድረግቲ ኣካላት ሰሚዐንን መንፈሰን ዘህድስ ዝተፈላለዩ ሜላታት ፈጢረንን፣ ሎሚ ዘበን ኣብ ገዛና፣ ካብ ቀፃሊ ዓመት ጀሚርና ድማ ኣብ ሰጣሕ ሜዳና!! ኢለን ብምኽባር ኣሸንዳና ኣብ ትካል ባህሊ፣ሳይንስን ትምህርትን ሕቡራት መንግስታት (ዮኔ ስኮ) ንምምዝጋብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እጃመን ከምዘወፍያ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
13 ነሓሰ 2012 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons