መልእኽቲ የቐንየልና

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ፈለማ እንኳዕ “መኸተ ዓርሰ ምምሕዳር ትግራይ” ብዝብል ብብርኪ ክልል ይካየድ ናብ ዘሎ መድረኽ ኣፍልጦ ብሰላም ኣብፀሓኩም/ክን ክብል ይፎቱ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ 17 መሪር ናይ ቃልሲ ዓመታት ቀያሕትን ፀለምትን ደቁን ባዕሉን ብዝኸፈሎ መስዋእትነት፣ ኣካላዊ መጉዳእትን ንዋታዊ ክሳራን ስለዝበፅሖ ከም ክልል በሪሱ እዩ።ይኹን እምበር ናይ ትማሊ ቁስሉ ዘይሓወየ ህዝቢ ብቁጠባ ሰማእታቱ ንምድባስን ሕድሪ ኣያታቱ ንምዝካርን ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ እዋን ዓለም ዝመስከረሉ፣ ብመርኣያነቱቶም ዝጥቀሱ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታትን ዝተመዝገቡ ተኸታተልትን ውሑስን በዓል ክልተ ኣሃዝ ቁጠባዊ ዕብየትን ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ንምምላስ ንኣተሓሳስባታት ስርዓት ደርጊ ዝናፍቑ ኣሃዳውያን ሓይልታት ብምትእክኻብ ብደሞም ዝተፅሓፈ ሕገ መንግስቲ ንምኽባርን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ንምጥቃምን ዘመሓድሩና መራሕትና ክንመርፅ ኣለና ኢሉ ዝተረፈቶ ኣካሉ ሒዙ ሰላሙ ንምሕላው ንዝተግህ ህዝቢ ሕንኽ ከይበሉ ብመጋበርቲ መራኸብቲ ሓፋሾም ኣቢሎም ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣብ ኣደባባይ ተጠሊዖም ኣዴታት ትግራይ ወይለኽን ከይትነብዓ ወዘተ ክብሉ ብኣንደበት መራሒ ሃገር መደረ ኲናት እንትእወጁ ንሰምዕ ኣለና::

“ንወሃቢ ፀባ’ዶ ትኸልኦ ማጨባ!” ከምዝበሃል ኮይኑ ክንዲ ካሕሰአን ኣዴታት ትግራይ ዳግም ርእሰን ከድንና ዝተፈላለዩ ፃሕታሪ ሜላታት እናተፈሓሰ ንርእን ንሰምዕን ኣለና። እዞም በብእዋኑ መልክዖም እናተቐያየሩ ዝመፁ ዘለዉ ተፃብኦታት ከከም ኣመፃፅአኦም ናይ ምምላስን ተሞክሮን ወነን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ እናዘኻኸርና ሐዚውን ከም ትማሊ ቀንዲ ፀላኢና ድኽነት ምዃኑ ፈሊጥኩም/ክን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ.ም “መኸተ ዓርሰ ምምሕዳር ትግራይ” ብዝብል ዝገበሮ ፃውዒት መድረኽ ሓገዝ ምትእኽኻብ እቶት መሰረት ገይርኩም/ክን ንፃውዒትና ብዝሃብኩሞ/ክንኦ ምላሽ ከም መንግስቲ ብህዝብናን ደገፍትናን ተሓቢንናን ኮሪዕናን ኢና።ነዚ’ውን ብሽም ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ምስጋናይ ክገልፀልኩም/ክን ይፎቱ::

ኣብዚ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ተወለድትን ደገፍትን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝርከቡ ተወለድትን ኣባላት ዲያስፖራ ተጋሩን ብሓፈሻ ካብ ህፃን ክሳብ ዓብይ፣ ፆታ፣ሃይማኖት ከይፈለየ በብዓቕሙ ዘወፈዮ መጠን ገንዘብ ልዕሊ ብር 650 ሚልዮን ቃል ተኣትዩ፤ ልዕሊ ብር 450 ሚልዮን ብገንዘብን ብማተርያልን ኣታዊ ዝተገበረ እንትኾን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልልና ዝነበሩ መሰረታዊ ፀገማት ህዝቢ ብምፅናዕ ፕሮጀክትታት ክህነፁ ብምግባር ብዝተወሰነ መልክዑ ክፍትሑ ገይሩ እዩ። እቶም ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ዘለዉዎ ኩነታት ንምዕዛብ እውን ካብ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ፣ ተወከልቲ ዲያስፖራ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ሰራሕተኛታት ወዘተ ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ዑደት ኣካይዱ እዩ። ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ እውን በቲ ተግባር ሕጉስ ምዃኑ እናገለፅኩ በቢዘለኹሞ ምስጋናይ ይብፃሕኩም/ክን። ሐዚውን ህዝብና ካብ ድኽነትን ድሕረትን መሊእና ክሳብ እነውፅኦ ናይ ፍልጠት፣ ገንዘብን ጉልበትን ሓገዝኩም/ክን ኣጠናኺርኩም/ክን ክትቕፅልሉ/ላሉ ደጊመ ፃውዒተይ የቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ንመኸተን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂብና ኣጋጢሙና ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮሮና /ኮቪድ-19/ እናተኸላኸልና ናይ ሞትን ሕየትን ዝኾነ 6ይ ክልላዊ መረፃና ናፃ፣ፍትሓዊ፣ተኣማንን ዲሞክራስያውን ኮይኑ ክወፅእ ኩልና ክንረባረብ ይግባእ።

ሕድሪ ሰማእታትና ኣይነዕብርን!
ዓወት ን6ይ ክልላዊ መረፃና!

ደብረፅዮን ገ.ሚካኤል (ዶ.ር)
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
10 ነሓሰ 2012 ዓ.ም

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons